ብፔን ኤርትራ ተዳልዩ፡ ንመበል ሳልሳይ ዓመቱ ዝወሃብ ዘሎ ስልማት ብናጻ ምግላጽ 2021፡ ሎሚ 18 መስከረም ናይ ዝኽሪ መደብ ብምግባር ዕዉት እዚ ሽልማት ኣብ ኣሜርካ ኦሃዮ ዩንቨርስቲ ከም መምህር ኣፍሪቃዊ ስነጽሑፍ (African literature) ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኮይኑ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።
ፔን ኤርትራ ነዚ ስልማት ንምብቃዕ ዝተሓጸዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን እዞም ዝስዕቡ (ራድዮ ኤረና፡ ተስፋልደት ኣለም መሓረና መስራትን ኣካያድን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽን ኣሕተምቲ ትካል እምኩሉን ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ብመሰረት መማይት ኮሚቴ ዕዉት ስልማት ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ 2021 ከምዝኾነ እታ ኮሚቴ ኣፍሊጣ።
ነታ ኮምቴ ዝመርሐ ጸሓፍን ደራስን ኣኸድር ኣሕመዲን ብዛዕባ እዚ ስልማትን ኣበርክቶ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ስነጽሑፍን፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሃገርና ዝተጻወቶ ተራ ዓቢ ብምግንዛብ፡ ፕሮፌሰር ኣብ መጽናዕታዊ መዳያት፡ ካብ 2001-2005 ምምስራት ክፍሊ ቋንቋታትን ስነጽሑፍን ኣብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ፡ ሰፋሕቲ ዎርክሾፓት ብምሃብ፡ ግጥማታት ኤርትራውያን ስንጥበባኛታት ብምትርጓም ኣብ ኣህጉራዊ መዳያት ክፍለጡም ክስምዑን ብምግባር፡ ዝዓበየ ንመሰለ ምግላጽ ሕሳባት ካብ 1992 ጀሚሩ ብሰፊሕ ዝጸሓፈን ዝተማጎቶን ብምዃኑ እዚ ስልማት ከምዝበቅዖ ኣብሪሁ።
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ኣፍሪቃዊ ስነጽሑፍን መጽናዕትን ብዙሕ መጽናዕታትን ዋዕላታትን ካብ ዝወደቡን ዝኣለዩን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 1992 ናይ ደረስቲ ናጽነት ብትግርኛን ድሒራ ብእንግሊዘኛ ዝተተርጎምትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ዓበይቲ ዓንቀጻት ዝሓዘት መገዲ ዓድና ዝተሰምየት መጽሓፍ ከምዘሕተመ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ቀዳማይ ፕረዚደንት ፔን ኤርትራ ምንባሩን ኣብ ምምስራትን ምእላይን እቲ ማሕበር ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይሕበር።
ስልማት ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 2019/2020 ገጣሚትን ጸሓፊትን ይርግኣለም ፍስሃን፡ ጸሓፊ ሳልሕ ቃዲ ጆሃርን ብተኸታታሊ ከምዝተዓወቱሉ ይዝከር።