ምምሕዳር ከተማ ተልኣቪቭ፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርታትት ዘሎ ኣድልዎ ኣንጻር ተመሃሮ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ንምውጋድ ዝዓለመ 200 ተመሃሮ ስደተኛታት ኣብ ማእከልን ሰሜንን ናይታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርትታት ክኣትዉ ከምዝተሰማምዐ፡ ጋዜ ጆሩሳሌም ፖስት ኣብ ናይ ትማሊ ሕታማ ኣፍሊጣ። እዚ ብምምሕዳር ከተማ ተልኣቪቭ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ እቶም ስደተኛታት ተመሃሮ፡ ካብቲ ብድኽነት ተቖማጢዑ ዝርከብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ ወጻኢ፡ ኣብ ማእከልን ሰሜንን ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ህዝባዊ ቤት ትምህርታት ክኣትዉ ክኽእሎም እዩ።
ብክልኒክ ሕግን ፖሊሲ ትምህርትን ዩኒቨርስቲ ሃይፋ ተመሪሑ ዝቐረበ ስምዕታ(ጥርዓን) መሰረተ እዞም ተመሃሮ ስደተኛታት ኣብ ማእከልን ሰሜንን ክፋል ተልኣቪቭ ክመሃሩ ዕድል ዝኸፍት ዘሎ። “እዚ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ክኸውን ከሎ፡ መጀመርታ ናይቲ ነዊሕ ሕጋዊ ቃልሲ እዩ” ክብል ዶ. ታምሚ ሃረል በን ሳሃር ዝተባህለ፡ ዳይረክተር ናይቲ ነዚ ስምዕታ ዘቕረበ ክልኒክ ንሕግን ማሕበራዊ ለውጥን ገሊጹ።
እዚ ውሳኔ ነቶም ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ዘቕረቡ ፍሉያት ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ፡ ካልኦት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ኣብ ዝተገለሉ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትታን ከምዘለውን እዚ ድማ ውጽኢት ወግዓዊ ፖሊሲ ከተማ ተልኣቪቭ ከምዝኾነን ብምጥቃስ፡ ከተማ ተልኣቪቭ በጺሓቶ ዘላ ስምምዕ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ ንዘለዉ ተመሃሮ ዘጠቓልል ከምዝኾነ መርበብ ጀሩሳሌም ፖስት ብተወሳኺ ኣብ ጸብጻባ ኣፍሊጣ ኣላ።
ተመሃሮ 4ይን 6ይን ክፍሊ ናብተን ቤት ትምህርታት ከይመሓላለፉ መርገጺ ከተማ ከምዝኾነን፡ ፍልይ ዝበሉ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ናይዘለዎም ጠለባት ከስተኣናግድ እቲ ምምሕዳር ከተማ ቅሩብ ምዃኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ እስራኤል ንወጻኢታት ምጉዑዓዝ ክሕግዝ ድዩ ንዝብል ዛጊት ዝተፈልጠ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንመጎዓዝያ ዝኸውን ባጀት ከምዘይስልዑ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።
“ኩሎም ንጸዓዱን ጸለምትን ዝተፈልየ ምከና ትምህርቲ ዝፈጥራ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርታትን ክሳብ ዝዕጸዋ ቃልስና ክንቅጽል ኢና፡ ነጻጺልካ ማዕርነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ክብል ኣባል ትካል ሲቪካዊ መሰል ኣብ እስራኤል ናይ ዝተባህለ ትካል ዝኾነ ሃራን ረይችማን ገሊጹ ክትብል ጀሩሳሌም ፖስት ብተወሳኺ ኣብ ጸብጻባ ኣፍሊጣ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ካብ ወለዲ ሓተቲ ዑቅባን ስደተኛታትን ዝውለዱ ህጽናት፡ ኣብ ዝተነጸለ ቤት ትምህርታት ይመሃሩ ምህላዎምን፡ ኣብ ዕቤት እቶም ህጻናት ርኡይ ኣሉታዊ ሳዕቤን የርኢ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ተል ኣቪቭ ዝርከብ ቤትፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ተል ኣቪቭ ነዞም ህጻናት ኣብ ካልኦት ቤት ትምህርታት እታ ከተማ ክመሃሩ ከፍቅድ ዝጽውዕ ጥርዓናት ምቅራቡ ይዝከር።