back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ምምሕዳር ከተማ ተልኣቪቭ ተመሃሮ ስደተኛታት ኣብ ካልኦት ኣከባቢታት እታ ከተማ ክመሃሩ ተሰማሚዑ

ምምሕዳር ከተማ ተልኣቪቭ ብስም ከባቢ 4 ሚእቲ ናይዝኾኑ ህጽናት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ዝቐረበ ጥርዓን፡ እቶም ህጽናት ስደተኛታት ኣብቲ ሃብታማትን ብዝሒ ስደተኛታት ዘይነብርሉ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት ክመሃሩ ኣፍቂዱ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ ዝነብሩ ኮይኖም፡
እታ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ተመሃሮ ኣብ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋል ናብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት ክኣትዉ ንዝቐረብ ጠለብ ክምርምር ከምዝኾነን፡ ምቕባሎም ግን ኣብ ተረካብነት ቦታ ኣብተን ቤት ትምህርታት ከምዝምርኩስን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጠበቓታት ናይቶም ጠራዕቲ እዚ ብከተማ ተልኣቪቭ ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል ካብ 200 ክሳብ 400 ተመሃሮ ከሳትፍ ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።
ተግባርውነት ናይዚ ስምምዕ ግን ኣብ ቀረብ መጎዓዝያ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣብ ሃረጽ ዝሰፈረ ጸብጻብ ይገለጽ። ንምጉዕዓዝ ናይዞም ተመሃሮ ካብ ደቡብ ተልኣቪቭ ዝምልከት ባጄት ኣብ ኢድ ሚንስትሪ ትምህርቲ እምበር እታ ከተማ ወጻኢታት መጎዓዝያ ንምሽፋን ከምዘይትሕግዝ ምፍላጣ ብተወሳኺ ይፍለጥ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ካብ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ዝተወልዱ ህጽናት፡ ኣብ ቤት ትምህርታት ተነጽሎ ከጋጥሞም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝምሃሩለን ቤት ትምህርታት ንበይኖም ብምዃኖም፡ እዚ ምፍልላይ ናይዞም ህጻናት ደው ክብል ዝጽውዕ ጥርዓናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ተል ኣቪቭ ናብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ምቅራቡ ሰቲት ምሕባርና ይዝከር። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ 2 መስከረም ወለዲ እዚ ምፍልላይ ጠጠው ንክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ተል ኣቪቭ ከምዘካየዱ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles