መንግስቲ ኣሜርካን ሕብረት ኤውሮጳን ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ጠቅሊላ ብዘይምውጽኣን፡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ምግዕዓዛት ትገብር ብምህላዋን፡ መጠንቀቕታት ይህብኣ ከምዘለዋ ሮይተርስ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ዝስዕብ ዘሎ መጠንቀቓታት፡ ሓይልታት ትግራይ ንዝሰፍሐ ክፋል ክልል ትግራይ ድሕሪ ምቁጻጸሮምን፡ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ምውጽኡን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ገለ ክፋል ዶባት ኢትዮጵያ ዘለዋ ቦታታት ትግራይ ሒዙ ምህላዉ ክሕበር ድሕሪ ምጽንሑ ምዃኑ ይሕበር። ኣሜርካን ሕብረት ኤውሮጳን ነዚ መጠንቀቕታት ዘውሕዛ ዘለዋ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሑመራን ከባቢ ዓዲ ገሹን ብመካናይዝድ ዝተሰነየ ምግዕዓዛትን ምንቅስቃስን ይገብር ምህላዉ ድሕሪ ዝወጸ ሓበሬታ ምዃኑ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሶኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤርትራ ብዝሒ ዘለዎ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ጌራ ከምዘላን፡ ብህጹጽ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትወጽእን ምጽውዑ ይዝከር።
ብተወሳኺ ሮይቶርስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ 17 ነሓሴ ኣስመራ ከምዝበጽሐ ዝሕበር ሓበሬታት ምህላዉ ኣፍሊጣ።
ብመሰረት ሰቲት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ፡ ሑመራ፡ ከባቢ ዓዲ ጎሹን፡ ምብራቅዊ ክፋል ትግራይ ኢሮብን ዛላንበሳን ምህላዉ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣሜርካ ትማሊ ሶኒ ኣብ ልዕሊ ሓለቃ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ናይ ቁጠባን፡ ንብረት ምንቅስቃስን እገዳ ከምዘንበረት፡ ቤትጽሕፈት ሃብቲ ኣሜርካ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት ምሕባሩ ይዝከር።