back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ እገዳ ኣንቢራ

ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ናይ ቁጠባን ሃብትን እገዳ ከምዘንበረት ቤት ጽሕፈት ሃብቲ ኣሜርካ (US Treasury) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤትጽሕፈት ነዚ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ከምዝተሳተፈን፡ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን፡ ዓመት፡ መቅተልትን ካብ ዝኣዘዙ እዩ ብምባል ነዚ ቁጠባዊ እገዳ ከምዘንበሮ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወለደዮሃንስ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንሃብትን ንብረትን እቲ ጀነራል ኣብ ኣሜርካን ካልኦት ሃገራት ምስ ናይ ኣሜርካ ትካላት ዝህሉ ከይንቀሳቀስን፡ ክምርመርን ክድስክልን፡ ብተወሳኺ ዜጋታት ኣሜርካ፡ ምስቲ ጀነራል ዝኾነ ንግዳዊ ይኹን ቁጠባዊ ስምምዕ ከይገብሩ ዝእግድ ምኻኑ ይሕበር።

ብተወሳኺ እቲ ቤተጽሕፈት ኣሜርካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈጸመ ገበናት ዝፈጸሙን ዝኣዘዙን፡ ሓለፍቲ ተጽንዕ ከምዘላን ገበናቶም ሸለል ኢልካ ከምዘይሕለፍን፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቁልጡፍ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቅሊሉ ክወጽእ ጸዊዓን።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ክልል ብምእታው፡ ገበናት ዓመጽን፡ ቅትለትን፡ ምዝራፍ ንብረትን ከምዘካየደ፡ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካልትን ሃገራትን ክሕብራ ምጽንሐን ይፈልጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles