ግብጺ ክልተ ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ክትመልስ ፈቲና

መንግስቲ ግብጺ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ብ ምምስጣር፡ ክልተ ኤርታውያን ስደተኛታት ብ ኣስገዳድ(ብሓይሊ) ካብ ሃገሩ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ከምዝፈተነ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣለምን ክብሮምን ዝተባሃሉ ክልተ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ግብጺ፡ ብ ሓይሊ ንምምላሶም ኣብ ዝተፈተነሉ፡ ነቲ ምምላስ ብምእባይ (ብምቁዋም) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሸላ በይኖም ተኣሶሮም ከምዘለዉ፡ ሰቲት ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ካብ ዝረኸብቶ ሓበሬታ ይገልጽ።

ግድሳት ኤርትራውያን ተጣበቅቲ መሰላት ስደተኛታት፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜዲያ ትዊተር ፡ ነዚ ዝግበር ዘሎ ብ ኣስገዳድ ምምላስን፡ ኣብ ሸላ ምእሳሮምን ብምቅዋም፡ ንዝተፈላለያ ብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝግደሳ ዓለምለኸ ትካላት ንምፍትሖም ክሰርሓን፡ ከምኡ’ውን ን ተግባር መንግስቲ ግብጽን ኤምባሲ ኤርትራን ብምቅላዕን እቶም ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ፡ ዝምልከት ጉስጋሳት ይገብሩ ከምዘለዉ ብተወሳኺ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ኣሜርካ ብግዴታ ናብ ኤርትራ ንምጥራዝ ኣብ ግብጺ ምስ በጽሐ ህይወት ሓደ ኤርትራዊ ነፍሰቅትለት ብምፍጻም ከምዝሓለፈ ይዝከር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት