ብመሰረት ቢቢሲ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝድኮን ዘሎ ሓድሽ መዓስከር ንምግዓዝ ህጹጽ ትልሚ ተታሕዙ ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ን ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብምጥቓስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጣ፡፡
እቲ ዛጊት 98 ስደተኛታት ሰፊሮሞ ዘለዎ ኣብ ዳባት ተመስሪቱ ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት 25 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምሓዝ ብቕዓት ዘለዎ ምዃኑ ይሕበር።
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ በብወርሒ ዝዕደሎም ዝነበረ ራሽን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከምዝተዋህቦምን እዚ ድማ ልዕሊ ወርሒ ከጽንሖም ስለዘይክእል ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኣፈኛ ትካል ስደተኛታት(UNHCR) ተወኪሱ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ምስተን መዓስከራት ርክብ ካብዘቋርጽ ሰለስተ ሰሙን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ኣብተን መዓስከራት ቀረብ ጽሩይ ማይ ይውድእ ምህላውን፡ ብተወሳኺ ድማ ትሑት ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘሎን ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብሰንኪ ኣብቲ ኣብተን መዓስከራት ስደተኛታት ዘለውኦ ኣከባቢ ዘሎ እንዳ ተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፡ ሰብኣዊ ትካላት ናብተን መዓስከራት ንምብጻሕ ከምዘይከኣለ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ብመሰረት ኣብ ቢቢሲ ክፍሊ ትግርኛ ዝወጸ ጽሑፍ ድማ፡ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦት ንምውጻእ፡ ውሑስ ኩነታት ኣብ ዝፈጠረሉ ግዜ ንምጒዓዞም ዘኽእል ምድላዋት ገይሩ ከምዘሎ ይሕብር።
ነቶም ሰደተኛታት ኣብቲ ኣብ ዳባት ዝምስረት ዘሎ ሓዲሽ መዓስከር ኣብ ዘግዕዘሉ ከም ማይ፡ መግቢ፡ መዕረፊ ቦታታት፡ መብራህትን መጎዓዝያን ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ኣብ ምድላው ከምዘሎ ብተወሳኺ ክፈለጥ ተኽኢሉ ይርከብ።
ኣፈኛ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ‘‘ኩነታት ጸጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ፡ ነቶም ስደተኛታት ካብቶም ክልተ መዓስከራት ብሰላም ብዛዕባ ዝወጹሉ ኩነታት ንኹሎም ወገናት ንምእማን እናሰራሕና ንርከብ’’ ክብል ከምዝገለጸ ቢቢሲ ትግርኛ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሳ ዝነበራት ሰለስተ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ከምዝሶጎገ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን። በዚ መሰረት፡ MSF ዝተባህለ ትካል ሃገረ ሆላንድ፡ Norwegian Refugee Council (NRC)ን Al Maktoume Foundation ን ዝተባህላ ከምዝኾና ተሓቢሩ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እዘን ትካላት ካብ ዝተፈቅደለን ስራሕ ወጻኢ ክንቀሳቀሳ ጸኒሐን ኢሉ ብምኽሳስ፡ ስርሐን ደው ከብላን ካብታ ሃገር ክወጻን ከምዘፍለጠን ብተወሳኺ ይፍለጥ።
ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሃለዋቶም ኣብ ዝኸፍአ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝመጹ ዘለዉ ሓበሬታት የመልክቱ።