ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝግበር ምዝመዛ ስደተኛታት ደው ክብል ዝጸወዐ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ መጭወይቲ፡ ማእሰርትን ዓመጽን ይኾኑ ከምዘለው ዝሕብር እሙንን ክረጋገጽ ዝኽእልን ሓበሬታ ረኺብና ክብል ኣፍሊጡ። እቲ በዓል ስልጣን ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ኣቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ክልል ዝተወለዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዳግማይ ሂወት ንምድሓን ከምዝሃደሙ ጠቂሱ።
ፍሊፖ ግራንዲ እቲ “ተኣማንን ክረጋገጽ ዝኽእልን” ዝበሎ ጸብጻብ ኣዝዩ ከምዘጨንቖ ብምጥቃስ፡ በቲ ብለይቲ ኣብ መዓስከራት ማይዓይኒን ዓዲሓሩሽ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝተፈጸመ ገበናት ከምዝተረበሸ ኣይሓበአን። ወሲኹ ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሽረ ከምዝተኣሰሩ ከምዘረጋገጹን፡ ነዚ ኣመልኪቱ ትካሉ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መብርሂ ብምሕታት፡ ነቶም ዝተኣስሩ ክርከብን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተኣሰሩ ስደተኛታት ብህጹጽ ክፍትሑን ከምዝሓተተን ኣፍሊጡ። ብዘይካ’ዚ ካልእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ዓመጽ ዝምልከት ፈደራላዊ መንግስትን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ወግዓዊ መርመራ ክገብሩ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝጸወዐ ፍሊፖ ግራንዲ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ጠቂሱ ይርከብ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰሩ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ምፍሪራሕን ደው ክብል ብምጽዋዕ፡ “ስደተኛታት ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝግበኦም በርጌሳውያን እዮም” ክብል ኣፍሊጡ። ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ንዓለም ለኻዊ ሕጋዊ ግዴተኦም ክምእዘዙ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝግበር ምዝመዛ ስደተኛታት ደው ከብሉ ኣጥቢቁ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ነቲ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራ ተደኲኑሉ ዝርከብ ከባቢታት ወረዳ ጸለምቲ ከምዝተቆጻጸሩ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ። ሰቲት ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ንምሕታት ፈተነ’ኳ እንተ ገበረት ጥሉል ሓበሬታ ዛጊት ክትረክብ ኣይከኣለትን ኣላ።