ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጫቛኒ ፖሊሲ ህግደፍ ኮይኑ ድከቱ ክሰቲ ጸኒሑ ኣሎ። ግዱድ ዕስክርና፡ ደረቅ ፖለቲካ ህግደፍ ዘከተሎ እገዳ ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ንሱ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ሃስያን ካልኦት ሮቛሒታትን ድማ ንህይወት ህዝብና ከጋድድዎ ጸኒሖምን ኣለውን። ካብዞም ኣብ ሃገሩ ዝተኸስቱ ጸገማት እፎይ ክብል ዝስደድ ዜጋ ድማ ግዳይ ሰምሰርትን፡ ንህይወቱ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዑዞ ስደትን ብተደጋጋሚ ወረ ሞትን ምጥፋእ ደሃይን ኮይኑ ከምውጽኢቱ ድማ ብተደጋጋሚ ህይወት ንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ክሃልቕ፡ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ወዲ ሰብ ግዳይ መሸጣ ኣካላቱ ክኸውን ተደሪጉን፡ ሞት ኣብ ባሕሪ ሰሃራን ኣማኢት ብጅምላ እትሰምዖ ዝሓለፉ ዓመታት ኤርትራውያን ብዙሓት እዩ።
ውጻእ መዓት ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ሃገር ኣልቦ ኮይኖም ኣብ ፎቆዶ ፋሕ ክብሉን ግዳያት ናይዝተፈላለየ ሓደጋታት ክኾኑን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መንግስቲ እየ ዝብል ኣካል ይኹን፡ ደገፍቱ ከምሰብ ‘ኳ ድንጋጸ ኣርእዮም ኣይፈልጡን። እኳ ድኣ ክሕጭጩን፡ ብዛዕባ እዞም ግዳያት ዝተፈለላየ ሽግራት ዝኾኑ ዜጋታት ከባጭውን ይረእዩ ነይሮም ኢዮም።
ህግደፍ ነቶም ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ደሴት ላምፔዱዛ ኣብ ሓደ ህሞት ንዝሃለቁ ኤርትራውያን፡ እታ “ ኤርትራውያን” ትብል ካበይ ከምዝኾኑ እትሕብር ቃል ውን ከሊእዎም ብማዕኬናት ዜናታቱ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት” ኢሉ ከምዝጠቐሶም ኩሉ ዝዝክሮ ንታሪኽ ዝግደፍ እዩ።
ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ኣርባዕተ ዓበይቲ መዓስከራት ስደተኛታት ተዶኲነን ከብቕዓ፡ ስርዓት ህግደፍ ብጀካ ነቲ ደረቅ ፖሊስታቱ ምድራዕ ፡ ፖለቲካውያን ቁጠባውን ኩነታት ናይ ሃገርና ከመሓይሽ ኣይሰረሐን። እቲ ደረቅ ፖሊስታቱ ዘኸተሎ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከም መመኽነይታ ተጠቂሙ፡ ንዘቤታዊ ኩነታት ሃገርና ከጋድዶ እዮ ተራእዩ።
በዚ ምኽንያት ብኣሸሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ ዜጋ ዕድሚኡን ከፍርየሉ ዝግባእ ግዜይኡን ኣብ ስደት ከምዝበልን፡ ኣብ መገዲ ጉዑዞን ምልምማድ ሓደሽቲ ዝኣተወን ሃገራት ኮይኑ። ኣብዚ ህግደፍ ይኹን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ከቢድ ጉዕዞን ከለበትበትን ዝሓለፈን፡ ምስ ዝኣተወን ሃገራት ናብራ እፎይ ክብል ዝቃለሰን መንእሰይን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ሕጫጨን ባጫን ተዘይኮይኑ ዝኾነ ናይ ምጥባቕ ስራሕ ኣየርእዩን። ኣብ ፎቆዶ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝተደርበዩን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት መልሲ ክህቦ ተሓቲቶም፡ ብስም ዜጋታት ኤርትራ ዝሽቅጡ ዘለዉዮም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ብምባል ክኽሕዱን ከምዜጋታት ኣፍልጦ ክኸልእዎምን፡ ዘስደምም ሬሳታት ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝሃለቁ ከይተረፈ እዮም ንምኽሓዶም በቂዖም። ብሰንኪ እዚ ኣረሜናዊ ፖሊስን ክሕደትን ህግደፍን ደገፍቶምን ድማ ጌና ሬሳታት ናይዞም ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ንቡር ኣይረኸበን ኣሎ።
እዚ ኩሉ እከይ ተግባሮም ገና እንዳ ቀጸለ ከሎ ግን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃንደበት ሰብኣውነት ተሰሚዕዎም ድዮም ንኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስደተኛታት ዝጣበቁ ዘለው? ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ኣብቲ ህግደፍ ባዕሎም ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ጎረቤት ኢዶም ኣእትዮም ብዝወልዕዎ ሓዊ ኣብ ሓደጋ ዘእተውዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዝራብ ጣዕሳ ዶ ወይስ ፖለቲካዊ ሃልኪ? ንክልተ መዋእል ስደተኛታት የብልናን ኢሎም ከምዘይተማጎቱ፡ ሕጂ ንመሰል ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ትጣበቕ መሲልካ ድራማ ምስራሕ ዳእላ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ግትር ዝብለካ መልሲ እዩ፡ ከምቲ “ጩግራፍ ባዕላ ሃሪማ፡ ባዕላ ተእዊ” ዝብል ምስላ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዋእል ኣብ ፎቖዶ ሃገራት ክሰራጠዩን ኣብ ሰሃራን ባሕርን ክሞቱን ጸማም እዝኒ ሂብካ፡ ኣብዚ ግዜ ድማ ሓላዩ እቶም ግዳይ ተግባርካ ዝኾኑ ይጣበቕ ኣለኹ ምባል ንስነ ልቦና ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ምጽራፍ ኢዩ።
ብፍላይ ድማ፡ ገሊኦም ከም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣትዮም፡ ኣብዘን ሃገራት ንምእታው ድማ ነቲ ሕጂ ዝድግፍዎ መንግስቲ ኣወንጂሎም ከብቕዑ ግምጥል ኢሎም ደገፍቲ ኮይኖም መሳድድቶም ዝኸሓዱ፡ ሕጂ ንስደተኛ ዝጣበቑ ክመስሉ፡ ወፍሪ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝገብሩ ትማሊ ኣበይ ኔርኩም፡ ኣብ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ሲናይ፡ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ኤርትራውያን ክብደሉን ክግፉዑን ንዝብል ሕቶ፡ ልክዕ ከምቲ ዝምልስዎ ብድዐ ተዘይኮይኑ ሕጂ ሃንደበት ሰብኣውነት ተሰሚዕዎም ክኸውን ዘይግመት እዩ።
እዚ ምስሉይነት ህግደፍ ደገፍቱን፡ ነቲ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ጎሮቤት ኣትዮም ንዘሳወርዎ ሓዊ መሊሶም ላምባ ካብ ምውሳኽ ዝሓልፍ ካልእ ውጽኢት የብሉን። ብትዊተር ይግበርዎ ብዝኾነ፡ ነቲ ንዓመታት ዝኸሓድዎ ኤርትራዊ ስደተኛ መርወዪ ፖለቲካዊ ጥምሖም ክገብርዎ ድማ ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ከፍቅደሎም የብሉን። ቅድሚ ናይ ምስሉይነት ምጥባቕ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ነዚ ስደተኛ ክደፍእ ዝጸነሐ ጨቛኒ ጉጁለ ህግደፍ ክውግዙን ብዛዕባ ዜጋታቱ ሓላፍነቱ ክወስድ ክዋጻእን፡ ክምጉቱን ክሓቱን ይግባእ።