back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ንምዕቃብ ሰላም ዝዋፈሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድመ-ምጽራይ ክግበረሎም ጻውዒት ቀሪቡ

ኣቦ ወንበር ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ላዕለዋይ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ቦብ መንደዝ፥ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፥ ድሕረ-ባይትኦም ኣብ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብጽኑዕ ከይተመርመረ፡ ኣብ ዝኾነ መስርሕ ምዕቃብ ሰላም ንከይሳተፉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ኣንቶኒ ጉተረዝ፥ ዳይርክተር ጀነራል ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ልኢኹ። እቲ በዓል ስልጣን ኣሜርካ ኣብ ደብዳቢኡ፡ ኩሎም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፥ ተኣማኒን ጽኑዕን ዝኾነ መስርሕ ምጽራይ ከይተገብረ ኣብ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ናይ ዓቃብ ሰላም ወፍሪ ንከይሳተፉ ኣጥቢቁ ክጽውዕ ከሎ፡ “ሕሉፍ ተግባራት፡ ሰመያዊ ቆቢዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተኸደንካ፡ ጠባይካ ይቅየር ማለት ኣይኮነን” ክብል ብተወሳኺ ርእይትኡ ኣስፊሩ።

ቦብ መንደዝ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም፡ ኣብ ስሪላንካን ሀይትን ዝፈጸምዎ ጸታዊ ዓመጽ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሱ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ንከይህልዎን ንከየሳትፍን መብጽዕኡ ደጊሙ ንከረጋግጽ ተላብዩ።

ኢትዮጵያ፡ ብብዝሒ ወተሃደራት ንዓቃብ ሰላም ካብ ዝልእካ ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ ሃገር ክትከውን ከላ፡ ዛጊት ኣብ ሶማልያ፡ ሩዋንዳ፡ ዳርፉር ሱዳንን፡ ደቡብ ሱዳንን ንተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ሰራዊታ ዘዋፈረትለን ሃገራት ምዃነን ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles