back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣሜርካ፡ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘየማልኣ ዝርዝር ኣእትያታ

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፥ ኤርትራ እትርከበን 17 ሃገራት ብ ፍጹም ውልቀመላኽነት ዝመሓደራ፥ መባእታዊ መዕቀኒታት ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣየማላኣን ክብል ኣብ ዝብል ዝርዝር ከምዝኣተወት ተገሊጹ። በዚ መሰረት ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ክረኽብኦ ዝጸንሓ ሓገዝ ክስእንኦ ከምዝኽእላ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እተን 17 ሃገራት፡ ኣብ ሳልሳይ ምድብ ክምደባ ከልዋ፥ ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝነበራ ማሓዙት ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት፥ ብ ሰንኪ ዘርኣይኦ ድኽመት ናብ ካልኣይ ምድብ ብምውራድ፥ ኣብ ልዕሊኤን ናይ መጠንቀቕታ ተኽእሎ ናይ እገዳ ከምዘሎ የፍልጥ። እስራኤል፡ ቄጵሮስ፡ ኖርወይ፡ ፖርቱጋል፡ ኒዊዝላንድን ስዊዘርላንድን ካብተን ኣሜርካ ዘኽተተን ሓደሽቲ ሃገራትየን።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፥ ብሊንክን፥ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዓለማዊ ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ኣዚዩ ገዚፍ ጠንቂ ስቅያት ደቂ ሰባት እዩ” ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣስታት 25 ሚሊዮን ደቂሰባት ግዳያት ክኾኑ ከለዉ፥ ካብዚ ብዝሒ ቑጽሪ ከኣ መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስቲዮን ቆልዑን ምዃኖም ሓቢሩ።

እዚ ዓመታዊ ብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽእ ጸብጻብ፥ ን 188 ሃገራት ዘዝኽተልኦ ፖሊስን ን ቃልሲ ምምካት ዝገብርኦ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝርዝር ዝሓዘ ኮይኑ፥ ለበዳ ኮሮና ምስፍሕፋሕ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ምውሳኽ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ገበናትን ከምዝነበረ፥ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles