back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ግብጽን ሱዳንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ዘኽእለን ስምምዕ ከቲመን

ንወተሃደራዊ ሜድያ ሱድን ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለት ማዕከን ዜና፡ ሱዳንን ግብጽን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ዘኽእለን ስምምዕ ብመንገዲ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ከምዝኸተማ ሓቢራ።

እቲ መዓልቲ ክግለጽ ዘይተኻእለ ስምምዕ ካብ ሱዳን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ዕስማን ኣልሑሴን ክኸውን ከሎ ብወገን ግብጺ ድማ መዘንኡ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ሀጋዝይ፡ ነቲ ስምምዕ ምኽታሞም ኣፍሊጣ።
ወተሃደራዊ ሜድያ ሱዳን፡ ሌተናል ጀነራልመሓመድ ዑስማን፡ ክልቲኡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዘርእዮ ዘሎ ቁልጡፍ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ብምንኣድ፡ ግብጺ እትገብሮ ዘላ ዓቢ ሓገዝ ከምዘመስገነ ኣፍሊጣ። ብተወሳኺ ግብጻዊ ሌተናል ጀነራል ሞመመድ ፋሪድ ዕምቆት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምድና ብምግላጽ፡ መቀጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውዕላት ምዃኑ ሓቢሩ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብዘም ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዘተኮረ ዓብየቲ ስምምዓት ክገብራ ከለዋ፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ልምምዳት ብሓባር ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ሱዳንን ግብጽን ምስ ኢትዮዕያ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ፡ መሊሱ ወጥሪ ከይውስኸሉ ከምዝስጋእ ይግለጽ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles