ንወተሃደራዊ ሜድያ ሱድን ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለት ማዕከን ዜና፡ ሱዳንን ግብጽን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ዘኽእለን ስምምዕ ብመንገዲ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ከምዝኸተማ ሓቢራ።
እቲ መዓልቲ ክግለጽ ዘይተኻእለ ስምምዕ ካብ ሱዳን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ዕስማን ኣልሑሴን ክኸውን ከሎ ብወገን ግብጺ ድማ መዘንኡ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ሀጋዝይ፡ ነቲ ስምምዕ ምኽታሞም ኣፍሊጣ።
ወተሃደራዊ ሜድያ ሱዳን፡ ሌተናል ጀነራልመሓመድ ዑስማን፡ ክልቲኡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዘርእዮ ዘሎ ቁልጡፍ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ብምንኣድ፡ ግብጺ እትገብሮ ዘላ ዓቢ ሓገዝ ከምዘመስገነ ኣፍሊጣ። ብተወሳኺ ግብጻዊ ሌተናል ጀነራል ሞመመድ ፋሪድ ዕምቆት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምድና ብምግላጽ፡ መቀጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውዕላት ምዃኑ ሓቢሩ።
ሱዳንን ግብጽን ኣብዘም ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዘተኮረ ዓብየቲ ስምምዓት ክገብራ ከለዋ፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ልምምዳት ብሓባር ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ሱዳንን ግብጽን ምስ ኢትዮዕያ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ፡ መሊሱ ወጥሪ ከይውስኸሉ ከምዝስጋእ ይግለጽ።