back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቶጎጋ ንዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ሲቪል ህዝቢ ብትሪ ኮኒንዎ

ብሰሉስ 22 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዕዳጋ ሰሉስ፡ ቶጎጋ ኣብ ዝተባህለይ ቁሸት፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ንዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ሲቪል ህዝቢ ጉድኣት ብምውራዱ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ደብዳብ ብትሪ ኮኒኑዎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ሎሚ 23 ሰነ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ መቀጸልታ ናይቲ ዝጠሓስ ዘሎ፡ ሰብኣዊ መሰልን፡ ዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣዊ ሕግን፡ መቅዘፍትን ምኻኑ ብምጥቃስ ከምዘተሓሳሰቦ ጠቂሱ።
ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ፍጻመ ዓለማዊ ሕጊ ሰብኣውነት ዝጠሓሰን፡ ሲቪል ህዝቢ ዕላማ ዝገበረን ምስ ምኳኑ፡ ተቀባልነት ዘይብሉን፡ ነቲ ግዝኣታዊ ሃገረ ኢትዮጵያ ክሕሎ ንዝብል ምጉት ውዱቅ ዝገብርን ምዃኑ ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ጠቂሱ።

ኣብቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል፡ ብህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ረዲኤትን ክኣቱ ንጽውዕ ብምባል፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣምቡላነሳት ንከይኣትዋ ተኸልኪለን ንዝብል ርጉጽ ምስ ዝኸውን፡ ንናይ ጀኔቫ ስምምዕ ዝጠሓሰ ምዃኑ ገሊጹ።

ላዕለዎት ተወከልቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ንኢትዮጵያ ከም ኣጀንዳ ብምሓዝ ምስ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክዛተየሉ ምዃኑ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስቪል ዝወርድ ዘሎ ሞትን ሞቁሰልትን ብምኹናን፡ እቲ ግጭት ጠጠው ክብልን፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ረዲኤትን ናብቶም በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ወገናት ክበጽሕ ክስራሕ ክጽውዓ ምጽንሐን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles