back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

“ክንበጽሕ ወይ ክንመውት” ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ

ቢቢሲ ኣፍሪቃ፡ ኩነታት ኣፍሪቃ ብምክትታል ዜናን ሓበሬታን ናብ ሰማዕቲ ንምብጻሕ ዝሰርሕ ኣካል እቲ ዝዓበየ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ እዩ፡ ሓደ ካብ መደባቱ ‘ዓይኒ ኣፍሪቃ’ (africa aye) ዝብል ኮይኑ ንነገራት ብጥልቂ ዝርኢ እዩ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ቕነ መደባቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዶም ሂወቶም ከመሓይሹ ናይ ዝፍትኑ ኢትዮጵያውያን ሂወትን ዝወስድዎ ሓደገኛ መገድን ተኸታቲሉ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ትሕዝቶ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣብ መስከረም 2019 እዩ፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን መንእሰያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ሰጊሮም ናብ ጅቡቲ ዝሰግሩ ይረኣዩ፥ እቶም ቛንቋታት ኦሮሞ፡ ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝዛረቡ መንእሰያት ኣብ ኣጻምእ ጅቡቲ ማይ ክማቐሉን ንዝደኸሙ ብጾቶም ‘ኣጆኻ’ እንዳበሉ ከጸናንዑን ይረኣዩ ገለ’ውን ንዝደኸሙ ብጾቶም ተሸኪሞም ክወስዱዎምን ትዕዘብ።

እዚ ጉዕዞ ሓደ ስጉምቲ ጥራይ ናይቲ ኣስታት 2 ሽሕ ኪሎሜተር ዝግመት ብኣጻምእ ዝተዓብለለ መገዲ ስዑዲ ዓረብ እዩ፡ እቶም ናብ ስደት ዘንቀሉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ዝበዝሑ መንእሰያት ግን ጉዕዞ ጌና ኣብ ምጅማሩ ድሮ ደኺሞም ከምዘለዉ ትዕዘብ።

እቶም ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝመጹ ዓሰርተታት ኣማኢት መንእሰያት ዕላማኦም ንስዑዲ ዓረብ ብምግባር  ብኣጋር ‘ጋላፍ’ ናብ ዝተባህለ ክሳብ 46 ድግሪ ሙቐት ዘለዎ መሬት ጅቡቲ ይበጽሑ፡ ኣብኡ ንጋዜጠኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ‘ሂወትና ዝቕይር ስራሕ ክንረክብ ኢና’ ‘ስድራና ክንሕዝግ ኢና’ ‘ኣብ ኣድና ገዛ ክንሰርሕ ኢና’ ‘መገዲ ከቢድ ይመስል’ኳ እንተሃለወ ወይ ኣብ ዕላማና ክንበጽሕ ወይ ድማ ክንመውት’ ኢና እዩ ዝብል ኔሩ።

ሓደ ካብቶም መንእሰያት ካብ ሰሜን ሽዋ – ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ሙስጠፋ ጀማል ይበሃል፡ ሙስጠፋ ብዘይ ዝኾነ ንጹር ራኢ ውሑድ ገንዘብን ሒዙ እዩ ናብ ስዑድያ ተበጊሱ፡ ንጉዕዝኡ ኣመልኪቱ ክገልጽ እንከሎ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸዓርና እንተጸዓርና ሂወትና ክንቅይር ኣይከኣልናን፡ ካብ ሽግር ንምህዳምን ሂወትና ንምቕያርን ኢና ነዚ ናይ ስደት ጉዕዞ መሪጽናዮ ይብል።

እቶም ስደተኛታት ዝወስድዎ ናይ ኣጋር መንገዲ ገላዩ ንመሸጣ ዝውሰዱሉ ጥንታዊ መንገዲ እዩ፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣፍሪቃውያን ገላዩ ካብ ቤት ንብረቶም ብሓይሊ ተወሲዶም ናብ ሃገራብ ኣዕራብ ንኽሽየጡ እዮም በዚ መገዲ ዝውሰዱ ኔሮም፡ ናይ ሎሚ ስደተኛታት ድማ ‘ሂወትና ንምምሕያሽ’ ብዝብል ተስፋ ናብቲ ዘይፈልጥዎ ወይ ብወረ ዝሰምእዎ ዓለም ንምኻድ እዮም ነዚ መገዲ ሒዞም ዝኸዱ።

እቶም ስደተኛታት እምነቶም፡ ሂወቶምን ገንዘቦምን ኣብ ኢድ እቶም ዘስግርዎም ብሰምሰርቲ ወይ ኮንትሮባንዲስታ ዝፍለጡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰብ ዝስግሩ ሰባት እዩ ዝሙርኮስ።

ሰምሰርቲ ሂወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ይእቶ ኣይእቶ ብዘየገድስ ኣብቲ ካልእ ኣንጸባራቒ ዓለም ‘ስራሕ ኣሎ’ ‘ገንዘብ ኣሎ’ ‘ሂወት ኣዝዩ ምቹእ እዩ’ ‘ንሕና ድማ ናብኡ ከነብጽሓኩም ኢና’ ዘስምዕ ወረ ምውዕዋዓት እዮም ዝዝርግሑ፥ ሂወቶም ክቕይሩ ዝሕልኑ መንእሰያት ድማ ገለ ዘለዎም ገንዘብ ኣኻኺቦም ገለ ንብረት ሸይጦም ገለ ድማ ተለቂሖም እዮም ንመኽፈሊ ጉዕዞ ዝኾኖም ገንዘብ ዝኣኻኽቡ።

መሬት ጅቡቲ ኣጻምእ እዩ ኣዝዩ መዋቒ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ እተጽልለኡ ገረብ ብቐሊሉ ክትረክብ’ውን ኣሸጋሪ እዩ። ሓደ ካብ ኣስገርቲ ንኹነታት ስደተኛታት ክገልጽ እንከሎ፡ ‘መብዛሕትኦም ናይ ሙቐትን ኣጻምእን ተመኩሮ የብሎምን፡ ገለ’ውን ሓንቲ ጎማ ማይ ሒዞም ብዙሕ ምድላዋት ከይገበሩ እዮም ነቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝጅምርዎ፡ ኣብ መንጎ ማይ እንተወዲኦም ድማ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድል ስለ ዘይብሎም ኣብ መገዲ ብጽምኢ ማይ ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ኣብቲ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ወዲቓ ትርአ፡ ምስኣ ዝጓዓዚ ዝነበሩ ብጾታ ‘ጓል 25 ዓመት ከምዝኾነት፡ ብጽምኢ ማይ ሂወታ ከምዝሓለፈት ይገልጹ’፡ ንሳቶም ብተወሳኺ ኣብቲ ኣጻምእ ቀቢሮማ ጉዕዞኦም ካብ ምቕጻል ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ይሕብሩ።

ኣብዚ መገዲ ገና ኣብ መሬት ጅቡቲ እንከለዉ ጥራይ ዓሰርተታት መንእሰያት ብድኻምን ጽምእን ሂወቶም ትሓልፍ፡ በቲ መንገዲ ድማ ሓያሎ መቓብር ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ናይ እግሪ ጉዕዞ ስደተኛታት ኣብ መገዲ ናይ ጽዕነት መካይን ይጽበያኦም፡ ኣብአን ተጻዒኖም ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጅቡቲ ይበጽሑ ኣብኡ ድማ ጀላቡ ይቕበላኦም።

ካብ ገማግም ጅቡቲ ናብ የመን ክሰግሩ ነፍሲወከፍ ሰብ ካብ 300 ክሳብ 500 ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ፡ኣብዚ’ውን እቶም ሰምሰርትን ኣስገርቲ ሰባትን ኣዝዮም ስሱዓት ብምኳኖም ዝበዝሕ ግዜ ጀላቡ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እዮም ሰባት ዝጽዕንወን።

‘ምስ ባሕሪ ጸወታ የለን ጌጋ ምስ ዘጋጥም ድማ ባሕሪ ምሕረት የብሉን’፡ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰብ ዝጸዓና ጀላቡ ግዳያት ምጥሓል ክኾና ንቡር እዩ፡ ኣብ ባሕሪ ጀላቡ ጥሒለን ሂወት ሓያሎ ሰባት ዝተፍእ ኣብ ልዕሊ ምኻኑ ሓደ ሓደ እዋን’ውን ኣብ መንጎ ጉዕዞ ባሕሪ ‘ጀልባ ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሊኣ ሰባት ክጎድሉ ኣለዎም’ ብምባል ናብ ባሕሪ ናይ ዝስንደዉ ሰባት ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ንኣብነት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣስታት 200 ሰባት ናብ ባሕሪ ተሰንድዮም ሂወቶም ስኢኖም እዮም።

ኣብ መገዲ ዝተረፉ ተሪፉ ነዚ መሪር ጉዕዞ ሓሊፎም መዓልታዊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ገማግም የመን ‘ራስ ኣል ኣራሕ’ ይሰግሩ፡ ኣብዚ እቲ ዝበኣሰ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኣብ የመን ኲናት ከምዘሎ ዘይፈልጡ ምኳኖም እዩ፡ ኣብ ልዕል’ዚ ድማ ናብታ ዝምነይዋ ሃገር ስዑዲ ዓረብ ክበጽሑ ገና ናይ ሓደ ሽሕን 500ን ኪሎሜተር ጉዕዞ ይተርፎም ምኳኑ እዩ።

ክሳብ ኣብዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ ሙስጠፋ ጀማል ብዛዕባ ኩነታት የመን ክገልጽ እንከሎ፡ ‘ኣብ የመን ኲናት ከምዘሎ ወላሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡ ዝነገረኒ ሰብ’ውን የለን፡ እቶም ኣስገርትን ሰምሰርትን ብዛዕባ ኣብ የመን ኲናት ከምዘሎ ፍጹም ኣይዛረቡን እዮም’ ይብል።

እቲ ሓደ ሽሕን 500ን ኪሎሜተር ዝርሕቀቱ ካብ ገማግም ባሕሪ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝወስድ መገዲ ገለ ገንዘብ ዝቐርቀሩ ኣብ ትዮታ ፒክኣፕ መካይን ተጻዒኖም ክሰግርዎ እንከለዉ ገለ ድማ ብእግሪ እዮም ጉዕዞ ዝተሓሓዝዎ።

ኣብ የመን ሕግን ስርዓት ዘተግብር ማእከላይ መንግስቲ ብዘይምህላዉ ብፍላይ እቶም ብእግሮም ጽርግያ ጽርግያ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ግዳያት ጭውያን መግረፍትን እቶም ዝኾኑ፡ ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ብዕጡቓት ተታሒዞም ‘ሓውሉ’ ተባሂሎም ከምዝግረፉ ግን ከኣ ክሕውለሎም ዝኽእል ሰብ ዘይብሎም ብምኳኖም ኣዝዩ ከቢድ ስቅያት ከምዝሓለፉ ይገልጹ። ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሓውል ተባሂሉ ክኸፍል ብዘይ ምክኣሉ ን6 ኣዋርሕ ዝኣክል ብሰምሰርቲ ከምዝተቐጥቀጠ ይገልጽ።

የመናውያን ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኣብ የመን ኲናት ካብ ዝጅመር ዝቆጻጸር መንግስቲ ብዘይምህላዉ ኣታዊኦም ካብቶም ስደተኛታት ከምዝኾነ ይሕብሩ፡ ስደተኛታት ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝሓትዎም እንተዘይብሎም ናብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማዶም ክድውሉ ከምዘገድድዎም ብተወሳኺ ይገልጹ።

ሙስጠፋ ጀማል ሓደ ካብቶም እኹል ገንዘብ ዘይነበሮምን ብእግሮም ክጓዓዙ ዝተገደዱ እዩ ኔሩ፡ ንሱ ‘ኣብ መገዲ ዕጡቓት ከምዝሓዝዎ፡ ዝተሓቶ ገንዘብ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ ናብ ዓዲ ናብ ዝርከቡ ሓረስቶት ስድርኡ ክድውል ከምዝተገደደ፡ ካብ ዓዲ ዝተዋጽአ ከንዘብ ምስ ተላእከሉ ነጻ ከምዝተገድፈን ጉዕዝኡ ክቕጽል ከምዝኸኣለን’ ይሕብር።

እቶም ስደተኛታት ብዝተፈላላየ መገዲ ናብ ከተማ ዓደን – የመን ይበጽሑ፡ ንብዙሓት ድማ ናይ መጨረሽታ ጉዕዞኦም ኣብዛ ከተማ እዩ፡ ምኽንያቱ ዝበዝሑ ንኣስገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ዝውድኡ ኣብ ርእሲ ምኻኖም ሰብ ኣጋር ድማ ዓቕሞም ጸንቂቖም ዝውድኡሉን ተስፋ ዝቖርጹሉን ቦታ እዩ።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣብ መገዲ ኣዝዮም ብዙሓት ብጽምኢ ጥሜትን ፍርህን ዝሞቱ ስደተኛታት እናቀበሩ ከምዝመጹ ክገልጽ እንከሎ ‘ሕጂ ብዛዕባ ዓዲ ክሓስብ እንከለና ባዕልና ብወለንታና ዘጥፋእናዮ ምድረገነት’ ኮይኑ ይስመዓና ክብል ኣብ መገዲ ዘጋጠሞም ፈተነታት ምስ ዓዲ ተወዳዲሩ እንከሎ ሲኦል ከምዝኾነ ብኣስተንትኖት ይገልጽ።

ንገለ እቲ ጉዕዞ ኣብዚ ደው ዝብል ኣይኮነን ሙስጠፋ ጀማል ሕጂ’ውን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክቕጽል እዩ ወሲኑ፡ ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዶብ ኣብ ዝሰግረሉ ዝነበረ ህሞት ድማ ብሓለዋ ዶብ ብጥይት ኣብ እግሩ ተወጊኡ ንሕክምና ዳግማይ ናብ ከተማ ዓደን ክምለስ ተገዲዱ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሙስጠፋ ናብ ዓዱ ክምለስ ትምኒት ኣለዎ ብከመይ መገዲ ይመለስ ግን ዝኾነ ኣፍልጦ የብሉን ኣብ ሂወት ኩሉ ነገር ከምዝራሕርሖ ድማ ብተስፋ ቁርጸት የማርር።

እቲ ኣስታት 2 ሽሕ ኪሎሜተር ዝግመት መገዲ ተጓዒዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣትዉ ሓያሎ ኣለዉ እንተኾነ ንሳቶም’ውን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ብምኳኖም ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ትሕቲ ናይ ምጥራዝ ስግኣት እዮም ዝነብሩ። ገለ ስራሕ ረኺቦም ብሕቡእ ክነብሩ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ተጠሪዞም ናብ ሃገሮም ይምለሱ።

ኣብ ኣጻምእ ጅቡቲን ብጽምኢ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ኣብ ምድረበዳታት የመንን ስዑዲ ዓረብን ዳግማይ ብጽምእን ጥሜትን ኣብ መገዲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ውሑድ ኣይኮነን። ሓያሎ ብዕጡቓት ተጨውዮም ኣደዳ ስቓይን ሓዋላን ገለ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዶብ ድራር ጥይት ከምዝኾኑ ሓታቲ ዘይብሎም ከምተርፉን ይግለጽ።

ሓያሎ ካብዞም ሂወቶም ንምምሕያሽ ናብ ስዑዲ ዝብገሱ ኣብ መገዶም ክሕግዞም ዝኽእል ገንዘብ ዘይሕዙ ብምዃኖም ኣብ መገዶም ኣዝዩ ብዙሕ ሽግር ክገጥሞም እንከሎ ገለ ወላ’ውን ንድሕሪት ንሃገሮም ክምለሱ እንተደለዩ’ውን ኣይከኣልን እዩ ዝሕግዞም ኣካል’ውን ኣይረኽቡን እዮም።

ብዘንክ’ዚ ኣብ የመን ተቐርቂሮም ዝተርፉን ክሳብ ለሚኖም ክበልዑ ዝግደዱን ሓያሎ መንእሰያት ኣለዉ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣስታት 35 ሽሕ ሶማልያውያን ዝርከብዎም ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ተቐርቂሮም ከምዝርከቡ ዓለመለኻዊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (IOM) ይሕብር።

ምያዝያ 2021 ኮይኑ ኣብዚ ጸብጻብ ዝተኸታተልናዮ መንእሰይ ሙስጠፋ ጀማል ዕድል ጌሩ ካብ የመን ተጠሪዙ ናብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ናብ ሓረስቶስ ስድራቤቶ ተመሊሱ እንተኾነ ኣብ ዶብ የመን ስዑዲ ዓረብ ዝወግኣቶ ጥይት ብምርኩስ ክኸይስ ስለ ዘገደደቶ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ጽላል ስድራኡ ክእለ እዩ ተገዲዱ ዘሎ።

እቲ ኮይኑ እቲ ግን ካብዚ ኩሉ መከራን ሞትን ብሂወት ምትራፉ ዕድለኛ ከምዝኾነ ናብ ዓዱ ብምምላሱ ከምዘሐግሶ እዩ ዝገልጽ።

ሙስጠፋ ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቂ ዓዱ ካብኡ ክመሃሩ ንሱ ዝወሰዶ ናይ ስደት መገዲ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኾነ ብምምካር ካብ ጌግኡ ክመሃሩ እዩ ዝመክር፡  እንተኾነ ምኽሩ ብምንጻግ ሕጂ’ውን ሓያሎ ደቂ ዓዱ ናብ ስዑድያ የምርሑ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ሕማም ኮሮና ቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ድሕሪ ምልብዑ ብመገዲ ናብ ጅቡቲ ናይ ዝሰግሩ ሰባት ቁጽሪ ብዝተዓጻጸፈ ጎዲሉ እዩ እንተኾነ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዛጊት ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ናብ የመን ክሰግሩ ኪሎም ኣለዉ እዚ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ካብ ጅቡት ናብ የመን ናይ ዝሰገሩ ቁጽሪ ሰባት ኣብ 2020 35 ሽሕ ኣብ 2019 ድማ 127 ሽሕ ኔሩ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ይጉደል ደኣ እንበር ኣየቋረጸን፡ ከም ውጽኢቱ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን’ዚ ኣስታት 200 ሰባት ዝጸዓነት ጀልባ ጥሒላ ከምዘላ ይብገር ኣሎ፡ ካብዚኦም ናይቶም 25 ሰባት ሬሳ ብገፈፍቲ ዓሳ ክእከብ እንከሎ ናይቶም ዝተረፉ ድማ  ኣብ ምድላይ ይርከብ።

መብዛሕቶም ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ቁጠባዊ ጸገምን ተደሪኾም ስራሕ ንምንዳይ እዮም ካብ ሃገሮም ዝወጹ፡ ኣብ ዓድካ ዘሎ ሽግር ብጻዕርኻ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ካልእ ሽግር ምእታው ግን ዝያዳ ሳእቤን ኣብ ምምጻእ ይርከብ።

እዚ ዜና’ዚ ምስቲ ብሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ናብ ፍልሰት መገዲ ብብዙሕ መለኪእታት ይመሳሰል እዩ። ናይ ሊብያ መገዲ ካብ ዝጥቀሙ ስደተኛታት ብብዝሒ ኤርትራውያን ይርከብዎም።

ናይ ሊብያ መገዲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ሕጂ’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን በቲ መገዲ ክመጹ ብሰምሰርትን ኣስገርትን ጎስጓስ ይግበረሎም ከምዘሎን ሓያሎ መንእሰያት ድማ ናብ ሊብያ ክመጹ ይደናደኑ ከምዘለዉ ጽንጽንታታ ይስማእ ኣሎ። ጉዕዞ ናብ ሊብያ ጥንቃቐን ደጋጊምካ ክሕሰበሉን ዝግባእ ብሂወትካ ብሞት ናይ ምጥላዕ ሓደገኛ ስጉምቲ እዩ።

(ምንጪ ራድዮ ኤረና)

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles