ሰንበት 13 ሰነ ዝተጣየሰ ሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ኣባል ዝኾነት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኮይና ዝተመዘት ኣይለት ሸከድ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሓተቲ ዕቕባን ስደተኛታትን፡ ናብ ሞቦቆል ሃገሮም ክንመልሶም፡ ክንሰርሕ ኢና” ክትብል ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ጽንብል ስራሕ ኣብ ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ታብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብመንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፡ ናብ መበቆል ሃገሮምን፡ ሳልሳይ ሃገር ናብ ዝተሰምየ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ንምምላስ ዝዓለመ ስርሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰፊሑ ኡኳ እንተተሰርሓሎም፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ግን፡ ነቲ ምምላስ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ብዙሕ ግዜ ከምዝሰረዞ ይፍለጥ።
እስራኤል ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዙሕ ጸቕጥን፡ ምንጻልን ክተግብር ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር ጽልእን ናይ ምምላስ ስጉምትን ንምውሳድ ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔፍታሊ ቤነት፡ ሓድሽ ሚንስተር ፍትሒ ጊደኦን ሰኣርን፡ ሓዳሽ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣይለት ሸክድን ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ስልጣን ሒዞም ብምህላዎም እቶም ስደተኛታት ስግኣቶም ክዓርፍ ከምዘይከኣለ ይገልጹ ምህላዎም ይሕበር።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሒጂ ሕቶ ዑቕብኦም መዕለቢ ክረክብ ከምዘይከኣለ ይሕበር።