ብ ቀዳም 12 ሰነ፡ ክፍሊ መርመራ ገበናት ከተማ ዛውያ ሊብያ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ብ ዓርቢ 11 ሰነ ኣስታት 190 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ናይ ደላሎ ጃልባ ረኺቦም ከምዝሓዝዎም ኣፍሊጡ።
እቶም ዘይሕጋውያን ኢሉ እቲ ትካል ዝገለጾም ስደተኛታት፡ ዜግነት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዎም ኮይኖም ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ከምዝርከብዎም ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ብመሰረት ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ ቀዳም 12 ሰነ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት፡ ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብቲ ዝተገብረ መስርሓት ምምላስ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን፡ እቲ 2 መስርሕ ምምላስ ናብ ከተማ ዛውያ ክኸውን ከሎ ሰለስተ መስርሕ ምምላስ ድማ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ካብ ሊብያ ተበጊስካ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ምስግጋር ሃገራት ጸንኪሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሊብያ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ስደተኛታት ክሰግሩ ይፍትኑ ኡኳ እንተለዉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያንን ሊብያን ተሓባቢሮም ናብ ሊብያ ይመልስዎም ከመዘለዉ ይሕበር።
ብስደተኛታት ከማርራ ዝጸንሓ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕ ጠጠው ኣቢልእንኦ ከምዘለዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓደጋታት ምጥሓል ኣጋጢሙ ምንባሩን ይፍለጥ።