back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

መርሃዊ ቅዱስ 7ይ ደረጃ ብምሓዝ ጽቡቅ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ሰሙን ቅድሚ ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስራዕ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ) ዝካየድ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፈረንሳ ዝሰላሰል ዙር ላ ሮት ዲ ኦክታኒ (la route d’occtanie) ዝሳተፍ ዘሎ መርሃዊ ቑዱስ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ሳልሳይ መድረኽ፡ 7ይ ደረጃ ብምውጻእ ጽቡቅ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ኣብቲ ተረርቲ ዓቀበታት ዝመልእዎ ጸወታ፡ ሰለስተ ደቂ ጋንትኡ ንመርሃዊ ቑዱስ ካብ ክለብ ኣስታና፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ቦታ ክሕዝዎ ከለዉ፡ መርሃዊ ቅዱስ በዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት ተሓጊዙ ዝነበሮ ናይ ግዜ ደረጃ ብምምሕያሽ ካብ 18 ናብ 7ይ ከምዝደየበ ኤሪ ስካቶ (Eri skato) ዝተባህለ ምስ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዝተሓሓዙ ሓበሬታት ዘቕርብ ናይ ፌስቡክ ፔጅ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ውድድር ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መኽሰብ ደበሳይ ኣብቲ ውድድር ይሳተፍ ከምዘሎ፡ ክፍለጥ ከሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 10 ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ይሳተፉ ምህላኦም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles