back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣሜሪካ፥ ምርጫ ኢትዮጵያ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘሕደረላ ገሊጻ

ዝመጽእ 21 ሰነ 2021 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝካየደሉ ዘሎ ኩነት ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጥረላ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ገሊጻ ክብል ሮይትሮስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ኣሜሪካ ፖለቲከኛታትን ዓብይቲ ዓዲን ምስ’ዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ተኣሳሲሩ ንዝፍጠር ናዕቢ ክኹንንዎን ናዕቢ ካብ ምልኽዓል ክቕጦቡን ተማሕጺና።

“ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ እንዳ ኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ክልላውን ብሄራውን ፍልልያት ንሃገራዊ ግዝኣታውን ሓድነት ሃገር ዘስግእ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ምርጫ ዘሎ ግዜ፡ ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ነቲ ፍልልያት ክገጥሙ ወሳኒ ህሞት ኢዩ ክኸውን ኢዩ።” ክብል ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስፊሩ።
ኣፈኛ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ፥ “ዝዓበየ ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉ ዝግበኦም ወገናት ብጸጥታዊ ምኽንያት ብፍላይ ድማ ምዝንባል ገሊልካ ዝግበር ምርጫ ሓደገኛ ኢዩ” ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ። ምሕያር ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ምግፋዕ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ምርጫ ናጻን ፍትሓውን ከይከውን ከምዝዕንቅፉ ጠቂሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ክካየደ ዝግበኦ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ኮሮና ከምዝተናወሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ምምዋሕ ምርጫ ዝተቐወመ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ውድብ ህወሓት ግን ናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ምርጫ ኣብቲ ክልል ከምዘካየደን ይፍለጥ። እቲ ምንዋሕ ሃገራዊ ምርጫ ድሒሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ በይናዊ መስርሕ ምርጫን፡ ሓደ ሮቛሒ ካብቲ፡ ብ 4 ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ግጭት ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብተመሳሳሊ ድማ ከም በዓል ጀዋር መሓመድን በቀለ ጋርባን ሓዊስካ ኣባላትን መራሕትን ተቐናቐንቲ ሰልፊታት ኣብ ማሕዩር ከምዘለው ይፍለጥ። ምስዚ ብሶኒ 21 ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር፡ ሃገራዊ ቦርዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ክልላት ማለት ክልል ሃረርን ሶማልን ነቲ ምርጫ ናብ 6 መስከረም ከምዘሰጋገሮ ይሕበር። ነቲ ምስግጋር ምኽንያት ኮይኑ ኢሉ ዝገልጾ ዘይስሩዕነትን ሕትመት ወረቐት ምርጫ ጸገማት ስለ ዘጋጠመን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles