back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ዳኛ መዚዛ

ብ ሓሙስ 10 ሰነ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ 244 ዓመታት ታሪኽ ናይ’ታ ሃገር፡ ናይ መጀመርታ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ፈደራላዊ ዳኛ ክኸውን ብ ፕርዚደንት ባይደን ዝተመዘ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
ዛሂድ ቁራይሺ ዝተባህለ ኣብ ኒው ዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣቐዲሙ ወተሃደራዊ ኣኽባሪ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ክፍለ ሃገር ኒው ጀርሲ ከገልግል ምጽንሑ ዝተሓበረ፡ ኣብዚ ብ 10 ሰነ፡ ንዛሂድ ቁራይሺ ፈደራላዊ ዳኛ ንክኸውን ኣብ ዝተገብረ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፡ 81 ኣባላት ሰኔት፡ ዛሂድ ዳኛ ክኸውን ከድምጹ ከለው 16 ድማ ዛሂድ ፈደራላዊ ዳኛ ኮይኑ ከይምዘዝ ኣድሚጾም።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ እቶም 81 ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ክኾኑ ከለው እቶም 16 ድማ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ሪባፕሊክ ኢዮም።

ዛሂድ ቁራይሺ ብ 2003 ናብ ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተኸቲቡ፡ ክሳብ 2007 ብደረጃ መዓርግ ካፒተን ኮይኑ ከምዘገልገለን፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ተመዲቡ ከምዝነበረን፡ ኣሜሪካ ንዒራቅ ወሪራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ድማ ክልተ ግዜ ወፊሩ ከምዝነበረ ሰነዳት ብዛዕብኡ ዝወጹ ዘለዉ ሰነዳት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles