ሄኖክ ሙሉእብርሃን 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ኣብ ጣልያን ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዝርከብ ዙር ጣልያን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብቲ ውድድር ምስ ጋንታ ኲቤካ (Team Qhubeka) ኮይኑ ዝወዳደር ዘሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ዓወት ኣመዝጊቡ ይርከብ።

ሄኖክ ሙሉእብርሃን ውድድር ሕደት ኪሎሜተራት ክተርፎ ከሎ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምህዳም መስመር ሕንጻጽ መዛዘሚ ሳልሳይ ኮይኑ ክረግጾ ከምዝኽኣለ ካብቲ ውድድር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ኣስታት 140 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ሰለስተ ደቂ ጋንታ፡ ንቐዳማይ ካልኣይን ራብዓይን ደረጃ ከምዝበሓትዎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግቡ ከምዘለዉ ይሕበር። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 10 ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ኣብ ዓበይቲ ዙራትን ውድድራትን እሳተፉ ምህላኦም ብተወሳኺ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት