back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ንስደተኛታት ወኪሎም ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ንምስታፍ ይጽዕሩ

ተቐማጢት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝኾነት ሉና ሰሎሙን ዝተባህለት ጓል 27 ኤርትራዊት ስድተኛ ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ፥ ንስደተኛታት ወኪላ ኣብ ጨመተ ቶክሲ ውድድር ክትሳተፍ ትውጥን ምህላዋ ይፍለጥ። ድሕሪ ጉዕዞ ምድ-ረበዳ ሳራን ሓደገኛ ጉዕዞ ማከላይ ባሕሪን ኣብ 2015 ስዊዘርላንድ ዝበጽሐት ሉና ሰለሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣብ’ዚ ናይ ጨመተ ቶኽሲ ዓውዲ ስፖርት ክግደስ ዝገበረኒ፡ ን ዕውት ወርቂ መዳልያ ኣብዚ ዓውዲ ስፖርት ዝኾነ ጣልያናዊ ኒኮሎ ካምፕሪያኒ ምስረኸብክዎ እዩ” ብምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሰልጣኒየይ ኮይኑ ይሕግዘኒ ኣሎ ክትብል ወሲኻ ኣፍሊጣ። ሉና ብምቕጻል “ኣብ ዓደይ ምትኳስ ከምስፖርት ዘይኮነስ፥ ን ሰብ ክትቐትል ኢኻ እትትክሶ” ክትብል ን ሮይቶርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።

ሉና ሰሎሙን፡ ኣብ ቅድመ ምጽራይ ዝተገብረ ምምራጽ ን ስደተኛታት ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ክትሓልፍ ከላ፥ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናይ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ሽም ዝርዝር ዝኣትዎ ክትከውን ተስፋ ተግይሩላ ይርከብ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ሓበሬታ፡ ሃብቶም ኣማንኤል ኣብ 10 ኪሎሜተር ወድድር ኦሎምፒክ ን ስደተኛታት ወኪሉ ንክሳተፍ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ስዊዘርላንድ እዩ። ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣነ ኣብ ዓደይ ክረኽቦ ዘይካልኩ ዕድል፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ረኺበዮ” ክብል ገሊጹ።

ዓለም ለኸ ኮሚተ ኦሎምፒክ፡ ን ጉዳይ ሓተቲ ዑቚባ ኣቓልቦ ንክረክብ ካብ ምባል ካብ 2016 ጀሚሩ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ስደተኛታት ኣብ ናይ ኣትለቲክስ ውድድር ከሳተፉ ክሰርሓሉ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ኣብ ከተማ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ውድድር፡ 55 ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣትሌታት ከሳተፉ ሙዃኖም ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles