back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ግጉይ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ሰባት ስጉምቲ ክወስድ እዩ

ፌስቡክ ትማሊ ሮቡዕ 26 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡  ኣብቲ ፕላትፎርም ኮይኖም ጌጋ ሓበሬታ ዘመሓላላፍን ዝዝርግሑን ሰባት ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ሮይተርስ ኣብ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ፡ 1.3 ቢልዮን ናይ ሓሶት ተጠቀምቲ ከምዝኣለየ ሶኒ 24 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ዝርግሐ ዝተዋቕዐ ሓበሬታ ንምቅላስ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዘዋፈረ ብተወሳኺ ሮይቶርስ ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ልዕሊ 12 ሚልዮን ብዛዕባ ኮቪድ-19ን  ክታበት ናይቲ ቫይረስን ዝምልከት ብክኢላታት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምዃኑ ዝተገልጸ  ትሕዝቶታት ከምዘልገሰ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮና፤ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ዝምልከት ናይ ሓሶት ሓበሬታን ውዲትን፡ ኣብ ፊስቡክን ትዊተርን ከምዝተዘርገሐ ሮይተርስ ገሊጹ።

ኮሚተ ጸዓትን ንግድን መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንፌስቡክ ሓዊስካ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ይፈትሖ ከም ዘሎ ቕድሚ ምምርማሩ ኢዩ፡ ፌስቡክ ብዛዕባ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘቓልዕ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles