ፌስቡክ ትማሊ ሮቡዕ 26 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ፕላትፎርም ኮይኖም ጌጋ ሓበሬታ ዘመሓላላፍን ዝዝርግሑን ሰባት ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ሮይተርስ ኣብ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣፍሊጡ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ፡ 1.3 ቢልዮን ናይ ሓሶት ተጠቀምቲ ከምዝኣለየ ሶኒ 24 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ዝርግሐ ዝተዋቕዐ ሓበሬታ ንምቅላስ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዘዋፈረ ብተወሳኺ ሮይቶርስ ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ልዕሊ 12 ሚልዮን ብዛዕባ ኮቪድ-19ን ክታበት ናይቲ ቫይረስን ዝምልከት ብክኢላታት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምዃኑ ዝተገልጸ ትሕዝቶታት ከምዘልገሰ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮና፤ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ዝምልከት ናይ ሓሶት ሓበሬታን ውዲትን፡ ኣብ ፊስቡክን ትዊተርን ከምዝተዘርገሐ ሮይተርስ ገሊጹ።
ኮሚተ ጸዓትን ንግድን መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንፌስቡክ ሓዊስካ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ይፈትሖ ከም ዘሎ ቕድሚ ምምርማሩ ኢዩ፡ ፌስቡክ ብዛዕባ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘቓልዕ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ ።