ብመሰረት ብሎምበርግ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብ ዕስራን ሓሙሽተን ግንቦት ዘውጸኦ ዜና፤ ኢታ ማጆር ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ዝሓትት ደብዳበ ምስ ክታሙ ቅድሚ ገለ መዓልታት ናብ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ከምዝለኣኸ ተሓቢሩ።
እዚ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍሊጦ ዘለዎም ክልተ ሰባት ሓቢሮም ድሕሪ ምባል፡ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብወግዒ ክዛረቡ ስለዘይፍቀደሎም ስሞም ክዕቀበሎም ሓቲቶም ክብል ማዕከን ሓበሬታ ብሉምበርግ ኣፍሊጣ። እዚ ብጀነራል ብርሃነ ጁላ ዝቐረበ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝሓትት ጠለብ፤ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዓቢ ጸቕጥን፡ ናይ እገዳ ስጉምትታን ኣብ ዝወሰደትሉ ግዜ ከምዝተሰምዐ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹ።
ብሉምበርግ ብምውሳኽ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፤ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብሌነ ስዩም፡ ከምኡ’ውን ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብዚ ዝተባህለ ጉዳይ ርእይቶኦም ክህቡ ብጽሑፍ’ኳ እንተ ተሓተቱ ምላሽ ከምዘይሃቡ ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ጥቕሊሉ ክወጽእ ክሓታ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽእ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ምንባሩ ብሉምበርግ ብተወሳኺ ኣብ ዜንኡ ኣስፊሩ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝርከብ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘሰከፈን ሓየሎ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ህጹጽ መፍትሒ ክናደየሉ ይሓታ ምህላወን ይፍለጥ።