ቅንያትን መዓልቲ ናጽነት ሃገርና 24 ግንቦት፣ ሕድሪ ስውኣትና ክሳብ ዘይተማልአን ህዝብና ኣብ ትሕቲ መቑረንቲ ዓመጽን ክሳብ ዝሃለወን፣ ፍትሓዊ ቃልስና ነዕዝዘሉን ኣብ ዕላማና ነተኩረሉን ጊዜ እዩ።
ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን እዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ መበል 30 ዓመት ማዓልቲ ናጽነቱ ክዝክር ከሎ፣ ብሰንኪ ሕሱም ጭቆና ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ታሪኻዊ ጥልመትን፣ ንሃገርና ንብዙሕ ዘመናት ንድሕሪት ዝመልስ ኩለመንታዊ ብርሰትን ዕንወትን እዩ ኣስዕቡላ ዘሎ።
ትጽቢት ውጽኢት ብረታዊ ቃልስና ዝነበሩን፣ ዜጋታትና ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለሎምን፣ ዕላማታት ፍትሒ ፣ ደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ብጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተጨውዮም ፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣደዳ ፍጹም ባርነታዊ መግዛእቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኖም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህላወ ሃገርና ኣብ ስንኩል ኩነታት ዝወደቐሉን፣ ድሕነት ህዝብና ኣብ ፍጹምን ኣስጋኢን ጫፍ ጥፍኣት ዝበጽሕሉን መድረኽ ኢና ዘለና።
ኣክንዲ ሰላም፣ ኩናት ኣክንዲ ልምዓት ከኣ ጥፍኣት ንምምጻእ ደጋጊሙ ዝሰርሐን ዘመስከረን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ሕጂዉን ንህዝብና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ መነባብሮ ፣ ንመንእስያትና ከኣ ብቐጻልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመኽንዩ፣ ካብ ዘይውዳእ ከርተትን መከራን ናብ ኣብራሲ ናይ ጎረባብቲ ኩናትን ጥፍኣትን ካብ ዘእትዎም ኣዋርሕ ቆጺርና ለና።
ብዝተፈላላየ መገድታትን ኣብያን ተቓዉሞኡ ከርእይ ዝጸንሐ መንእሰይናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ግን፣ ሕጂውን ነቲ በስገዳድ ኣትየሞ ዘለዎ ኩናት ኢትዮጵያ፣ ዋላውን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመሓውራት ስለልኡን ዕሱባት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጌሩ፣ ማእሰርትን መቕተልትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደው ተዘየበሎ፣ እቲ ዝኹሉ መዓት ተወርዶውን ሞራሉ ዘየውደቐን ሓላፍነቱ ዘይረሰዔን ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ግን ፣ ተቓሞኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ምርኣይ ደው ኣይበለን።
መሰረታዊን ሰብኣዊን መሰላቱ ተኸቢሩሉ ዘይፈልጥ መንእሰይ ኤርትራ፣ እንኩዎ ኣማራጽኡኡ፣ መገዲ ስደት ኮይኑዎ፣ ሕጂውን ካብ ተራ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ጀሚርካ ክሳብ ሓለፍቲ፣ ዋሕዞም ንሱዳን ብብዝሒ ይውስኽ ኣሎ። ካብ ማእሰርትን መቕተልን ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተረፉ ሓለፍቲ ሰራዊትውን፣ ኣብ ኣኼባታት ይኹን ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ተቓውሙኦም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ብውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጥ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ካብ ጭንቀቱን ዘይረዊ ጽምኢ ስልጣኑን ተበጊሱ፣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ካብ ኣብ ንብስውከፍ ከተማ፣ ዓዲን፣ ገዛን ጀሚሩ ቀጻልን ጽዑቕን ግፋ ምግባር ጀሚርካ፣ ክሳብ ካብ ልመና ሓሊፈን ድራር ደቀን ከናድያ ዝክርትታን ሸየጥቲ ማስቲካ ተመሲለን፣ ገዛ ገዛ እንዳ ኩሕኩሓ፣ ናይ ነብስ ወከፍ ስድራ ሓበሬታ ዘቐብላ ኣለይቲ ቆልዑን ኣብ መርበብ ስለሉኡ ብምውፋር ምብስባስ ህዝብና ቀጺሉዎ ኣሎ። ብደገ ከኣ ካብ ኣክንዲ ስራሕ ዲፕሎማሲ ዝሰርሑ፣ ጸርፍታት ክስንዱዉ ዝዉዑሉ ካድረታትን ዕሱባትን ኣዋፊሩ ናይ ኣለኹ ፈንጠርጠር ምቕጻሉ ኣይተረፎን።
ደምበ ተቓዉሞን ምንቅስቓስ ፍትሓዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ደረጃን ተወድብና እንሰርሓሉን ሓድነትና ነርጋግጸሉን ግዜ ሕጂ እዩ። መዓልቲ ነጻነት ብረታዊ ቃልስና ዘውሓሶ ሉኣላውነት ሃገርና ብምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህዝብና ተሓሪሙዎ ንዘሎ ኩለንተናዊ ናጽነትን ሰባኣዊ መሰላትን ብምዝካር ዳግም ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እንዘኻኸረሉ እዋን ክኽወን ይግብኦ።
ካብ ንሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ ጀሚርካ፣ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ፍቐዶ ስንጭሮ ተዓቁቦም ዘለዉ መንኢሰያትና ንሕግዘሉ፣ ንጥርንፈሉን ንውድበሉን፣ ከምኡዉን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጸዋዕታና ብተደጋጋሚ ነስምዓሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ባህርያዊ ዝኾነ ፍልልይ ፖሎቲካዊ ኣራኣእያና ንጎኒ ገዲፍና፣ ኣብ ሓደ ንጥርነፈሉን ንህዝብናን ሃገርናን ዘድሚ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሓባር ንኸተሉ ግዜ ሕጂን ውዓል ሕደር ዘይበሃሎን እዩ። ኣርካናትን ነባራትን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጠንጢኖም ምስ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ደው ዝበሉ ሙኩራት መራሕትን፣ ሙሁራት ዜጋታትን፣ ንሃገሮምን ህዝቦምን ደኺምና ከይበሉ ኣብ ርእሲ ዝገበርዎ ኣበርክቶ፣ ሕጂውን ኣብ ምጥርናፍን ምሕያልን ምቅስቓሳት፣ ናይ ግርበሰናይ ማሕበራትን፣ ምንቕቓሕ ህዝብን ዓቕሞም ከሐይሉ ምዝኽኻር ኣየድልዮን።
ሕጅውን ከምወትሩ ህላወ ሃገርናን ድሕነት ህዝብናን ኣብ መንኮብ ነብሲ ወከፍ ግዱስ ኤርትራዊ፣ ፖለቲካውን ፍታሓውን ምቅስቓስን፣ በርጌሳዊ ማሕበርን ሙኹዋኑ እንዳዘኻኸረ፣ ምንቅስቓስ ንፍሕቲ ኤርትራ ንሓድነታውን ፍትሓውን ቃልስና ከነዕዝዝ ይጽውዕ።
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና
ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ
ግንቦት 24 2021