ሰንበት 23 ግንቦት፡ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕጅን ናይ ቅድምን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን ጸጥታ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ እንተላይ ኩነታት ትግራይ ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕርታት ዝዕንቅፉን ኣብ ምዕንቃፍ ዝሳተፉን ኣብ ልዕሊ ዕጡቃትን፡ ኣባላት ህወሓትን ናይ ቪዛ ገደብ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።
እዚ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደልን ዓመጽን ዝፈጸሙን ናብቲ ክልል ዝግበር ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ጻዕርታት ድማ ዝዓንቀፉን፡ ዘካተተ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብተወሳኺ ኣባላት ስድራቤት ናይቶም በዚ ናይ ቪዛ እገዳ ዝተጸልዉ ውልቀ-ሰባት’ውን እዚ እገዳ ከምዝምልከቶም እቲ መግለጺ ይጠቕስ።
ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ቅልወላው ንምፍታሕ ኣብቲ ጉዳይ ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ እንተ ዘይተመሊሶም መንግስቲ ኣሜሪካ ተወሳኺ ስጉምቲ ክውስድ ከምዝኾነ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብተወሳኺ ኣጠንቒቁ ኣሎ።