ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርትዓዊ ቀረብ ክታበት ኮሮና ንምሕጋዝን ሳዕቤናት ኮቪድ 19 ንምቕላልን ዝኸውን 87 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል፡ ለበዳ ኮሮና ንሂወት ኣሸሓት ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ከምዝጸለወ ብምሕባር፡ ኣስዒቡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ንምንቅስቓሳት ዝገደቡ መዓልታዊ ህይወት ሰደተኛታት ተፈናቐልትን ማሕበረሰባት ኣከባብን ዝጸልዉ ስጉምታት ከምዝተወስዱን፡ እዞም ስጉምታት ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ቀጥታዊ ጽልዋ ከምዘንበሩ ኣብቲ ሓበሬታ ኣስፊሩ።
እዚ ብ IOM ተጠሊቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጻልነትን ዕብየትን ኣገልግሎት ጥዕናንን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንምውሓስ ከምዝኾነ እቲ ትካል ገሊጹ። እቲ ገንዘብ ነቲ ትካል ናይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤናት ለበዳ ንምቕላልን ከምኡ ድማ፡ ንምላሽን ህይወትን ጻዕሪታት ሓበሬታ ንምሃብን ንክሕግዞ ትጽቢት ይግበር።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ከምኡ ድማ ዝተጸልዉ ሕብረተ ሰብን ዝኸውን ሪትዓዊ ቀረባት ክታበት ክህሉ ጻዕሩ ክቕጽል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ስደተኛታት ኣዝዮም ዝተተንከፉ ከምዝኾኑን በዚ ድማ፡ ብዙህ ቁጠባዊ ዕድላቶም ከምዝባኸነን፡ ን ግዳም ሓደርነት፡ ምስጓግ ካብ ዝተኻረይዎ ገዛን ከምኡ ድማ ተንጽሎን ኣድልዎ ኣብ ኣጎልግሎታት ከምዘጋጥሞም እቲ ትካል ገሊጹ።
ሃገራት ክታበት ኮሮና ኣብ ዝጀመራሉ ዘለዋ ግዜ፡ ስደተኛታትን ካልኦት ተቓላዕቲ ግጁለታትን ንዕድላት ክታበት ከይረኸቡ ናይ ምትራፍ ሓደጋ የጋጥሞም ኣሎ ክብል፡ ዳይረክተር IOM ኣብ ቀርኒን ምብራቅን ኣፍሪቃ መሓመድ ኣብዲኬር ከምዝገለጸ እቲ በቲ ትካል ዝወጸ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።
ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ኮቪድ 19 መዓልታዊ ህይወት ናይ ኣሸሓት ሰባት ተዓንቂፉ ከምዘሎን ኣግለግሎታት ጥዕና ድማ ውሱን ከምዘሎን ይሕበር። ብዙሓት ተፈናቐልትን ናይ ኣከባቢ ሕብረተሰብን እኹል ወፍሪ ኣብ ኣጎልጉሎት ጥዕና፡ ማይን ንጽህናን ከምዝገድሎም’ውን ይሕበር። ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝተሓላለኹ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝተናወሑ ግጭታትን የጋጥሞ ከምዘሎ ይንገር።