back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣመሪካ ሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ምርሕሓቅን ከምዘይምልከቶም ተሓቢሩ

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ(CDC)፡ እቶም ክታበት ጸረ ተላባዑ ሕማም ብ ሙሉእ ዝተኸተቡ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝሎነ ኲነተን ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ርሕቀቶም ከይሓለዉ፡ ዝደለይዎ ንጥፈታት ከካይዱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ሓፈሻዊ እቲ ትካል ኣብዝሃቦ መምርሒ፡ እቶም ክታበት ብ ሙሉእ ዝተኸተቡ፡ ኣብ ዝኾነ ዝኸድዎን ዝሳተፍዎን ዘከይድዎ ንጥፈታት ኣብ ዕጽው ይኹን ኣብ ግዳም፡ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ርሕቀቶም ከይሓለዉ ከካይድዎ ከምዝክእሉን ይሕበር፡፡

ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቶም ዘይተኸተቡ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ርሕቀቶም ዘይሕልዉ ነቲ ሕማም መከላኸሊ ዘይብሎም እምበር  ፡ ሓንሳብ ሙሉእ ክታበት ተወሲድካ፡ መከላኸሊ ኣለካ ክትብል ዳይርክተር እቲ ማእከል፡ ሮቸል ዋለንስኪ ትገልጽ።
እታ ዳይርክተር ኣብ መግለጺኣ፡ ተኸቲብካ ከለኻ፡ እንድሕር ምልክታት ናይቲ ሕማም ኣለካ፡ መርመራ ወሲድካ፡ መሸፈኒ ኣፋን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ርሕቀትካ ክትሕልው ኣለካ ክትብል ትገልጽ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ን ኣብ ሕክምናን ኣብ ቤት ማእሰርትን  ንዝሰርሑን ከምዘይምልከትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ከም ባቡር ምድሪን፡ነፋሪትን፡ ብ ፌደራል ግዝኣታት ኣመሪካን ትካላት ዋኒን መሸፈኒ ኣፋን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ርሕቀትካ ምሕላው ብሕጊ ዘተግብራ፡ ከምዘይምልከተን ይሕበር።

ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝጀመረ ክታበት ኮቪድ 19 ኣስታይ 200 ሚልዮን ተኸቲቦም ከምዘለዉ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles