ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዝዘርጎሖ መግለጺ፡ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝምልከት ስርሓት ከምዘጻፈፈን፡ ን ዕለት 13 ግንቦት 2021 ምርጫ ክግበር ሙዃኑን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ወሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተኸተልቲ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ኣበቢ ከባቢኦም ተጠርኒፎም ወከልቶም ከምዝመረጹን፡ ናብቲ መዓልቲ ምርጫ ንምስታፍ’ውን ናብ ከተማ እስመራ ይኣትዉ ከምዘለዉን ብተወሳኺ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሮም፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኸዶ ዘሎ ጉዑዞ ክእረም ክሓቱ ዝጸንሑ፡ ካህናትን ውልደ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ውልቀ ሰባትን ሰዓብትን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ዘይሕጋውን ን ፖለቲካዊ ሃልኪ እምበር፡ ን መንፈስ እምነት ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ብቁኑዕ ኣገባብ ዝውክል ኣይኮነን ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ከቢድ ቁልውላው ወዲቃ እትርከብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፡ ሕጅ’ውን ኣብታ ቤተክርስትያን ዘሎ ሽግራት ከይተፈትሐ፡ ናብ ዝበኣሰ ምሻም ፓትርያሪክ ተምርሕ ምህላዋ ንብዙሓት፡ ሰዓብትን ኣመንትን ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር።
ካብ 2005 ኣትሒዞም ኣብ ዘይሕጋዊ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ፡ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ መዓርጎም ብዘይሕጋዊ ተቀንጢጡ፡ እታ ቤተክርስትያን እዝን ካልእን ዝመበገሲኡ ተገማሚዓ ምህላዋ ይፍለጥ።
ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኤርትራ መዓርጎም ብዘይሕጋዊ ተመንጢሎም ኣብ ማሕዩር ድሕሪ ምእትዎም፡ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ራብዓይ ፓትርያሪክ ሸይማ ኡኳ እንተነበረት፡ ብሰንኪ ሕማም ድሕሪ ሙማቶም፡ ክሳብ ሒጂ ኣብ ከቢድ ምፍልላይን ሽግርን ወዲቃ ምህላዋ ይሕበር።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ቁሉዕ ምትእትታው ከምዝገበረ ብዙሓት ክሕብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነትን፡ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝርከቡ ናይ ጸጥታ መራሕቲ ዝወደቀት ሙዃና ይሕበር።