back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ጋዜጠኛ-ፕሮፌሰር ኣሮን ብርሃነ ኮኾብ ወጋሕታ

“ብርግጽ ጽልዋ ኣለዎ። ብዙሕ ርእይቶታትኩም እንተ ተረፈኩም ይሕሸኩም። ምኽንያቱ ተኸታተልቲ ንስራሕኩም ብመንጽር ርእይቶታትኩም ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ዝያዳ ኣብቲ ስራሕ ኣተኩሩ፡ እቲ ስራሕ ዝያዳ ባዕሉ ርእይቶታትኩም ኮይኑ ክዛረብ ይኽእል ኢዩ፡ ኣይትሓዋውስዎ ኢኹም” ሓንቲ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ መንፈቕ 2020 ንኣባላት ሰቲት ሜድያ ብኣጸሓሕፋ ዜና ዝምልከት ኣስተምህሮ ክህብ ከሎ ንዝተሓተቶ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። እዚ መልሲ ዳርጋ ኣብ ኩላትና ኣብ ሰቲት ሜድያ ንነጠፍ ዘይተኣወጀ መምርሒ ኮይኑልና ኢዩ።

ሌላይ ምስ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ወርሒ ንሓሰ 2020 ኢዩ። ሰቲት ሜድያ ክትምስረት ከላ፡ ንሱ ድማ መስራቲ ጋዜጣ ሰቲት ብምንባሩ፡ ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታዉ ሓሳብና ብመንገዲ ኣደ መንበር ኣካያዲት ስራሕን ጋዜጠኛ ትዕግስቲ ፍሰሃየ ኣካፊልናዮ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ዝተፈላልዩ ጉዳያት ክንመያየጥ ተራኺብና። ብሕልፊ ኣብቲ 18 መስከረም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ነዳልዎ ዝነበርና መደብ ጽቡቕ ተላሊና። ድሕረ ባይታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ልክዕ ከምዚ መሰትኡ ክዛረበንን ክመኽረንን ከሎ ከምዛ ሕጂ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብዘይ ተዓቕቦ ሓሳባቱ ከካፍለኒ፡ ሓደ ዕዉት መራኸቢ ብዙሓን ንምምስራት ድማ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታት በብሓደ ክግለጸለይ ምስ ጀመረ፡ በርቢርካ ዘይውዳእ ጸጋ ተሓንጊጡ ምህላዉ ተረዲአ።

ድሕሪ ምምስራት ሰቲት ሜድያ ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ምምስራት ቦርድ ድማ ብፍላይ ቀጻሊ ንራኸብን ኔርና። 10-15 ደቂቅ ቀዲሙ “ኣለኻ’ዶ ክድውለልካ” ወይ ድማ “ደውለለይ ግዜ እንተልዩካ” ኢሉ ክጽሕፈለይ ከሎ፡ ተሃንጢየ ኢየ ዝድውለሉ ነይረ። ብእግሩ እንዳ ተጓዓዘ ኢዩ ሓሳቡ ዘካፍል። ሎሚ ኮይነ ክሓስቦ ከለኹ እዚ ኩሉ ሓሳባት ነታ ብብኲራት ቀንዴል ጸምዩዋ ንዘሎ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝብርህ ጸዓት ምዃኑ ይግንዘብ።
ብዙሕ ግዜ፡ ሰቲት ኣብ ሓጽርን ነዊሕን ከተድህቦሎም ዝግባእ መደባት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ኣሮን። “ ቪድዮታትና ውሑዳት ሰባት ይርእዎ ኣለዉ ኢልና ዘይኮነ ክንሓስብ ዝግበኣና፡ ንክንደይ ዝኣኽሉ ካብዞም ውሑዳት ኢና ኣወንታዊ ጽልዋ ንፈጥር ዘለና ኢልና ክንሓስብ ኣለና “ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ብሓውሲ ተግሳጽ ዝዛረበኒ ዝነበረ። ካልእ ንመደባት ዝምልከት፡ “ብዙህ ኣብ ቃለ መሕተታት ዘይምድፋእ ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ኢዩ ቃለ መሕትት ዝገብር ዘሎ። ከምዚ ኣነ ኣብ ዩቱብ ዝርእዮ እንተኾይኑ፡ ካብቶም ንቃለ መሕተት ዝከታተሉ፡ እቶም ቃለ መሕተት ዝገብሩ ኢዮም ዝበዝሑ ዝመስሉ” ሓንቲ ሓውሲ ዋዛ ኣምሲሉ ዝተዛረባ እያ ኔራ።
“ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ገለ ፕሮጀክታት ሒዘ ኣለኹ። ድሕሪኡ ግን ኮፍ ኢልና ክንዘራረብን ስሩዕ መደባት ‘ውን ክሒዝ ኢየ” ኢሉኒ ኢና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰለስተ ዝተፈላለና። ብዙሓት መደባት ሓንጺጽና ኔርና። ገለ ካብዞም መደባት ኣብዚ ቀረባ ክንጅምሮ ድማ ተስፋ ይገብር።
ገለ ካብቲ ኣብዚ ሓጺር ናይ ሌላ ግዜና ዝተዓዘብክዎ ብዛዕባ ኣሮን፡ ካብ ብድሆ ዘይፈርሕ ምንባሩ ኢዩ። ነቲ ንዓይ ብውልቀይን ምስ መሳርሕተይን ዘጋጥመና ብድሆ ከም ጸጋ ክንሪኦ ይመክር ነይሩ። “እዚ እኳ ቀሊል፡ ኣብዚ ሕዝካዮ ዘለኻ መንገዲ እንተ ቀጺልካ ካልእ’ውን ከጋጥመካ ኢዩ፡ ንብረትካ ከበላሽውልካ ኢዮም፡ ምስ ሓዳርካ ከባእሱኻ’ውን ክፍትኑ ኢዮም፡ እዚ ጉዕዞ እንተ ጀሚራካዮ ከተቋርጾ የብልካን” ኢሉ ድሕሪ ፈላሚ ኣኼባ ቦርድ ሰቲት ሜድያ፡ ኣብ ዝነበረና ሓጺር ናይ ተለፎን ዕላል ክመኽረኒ ሎሚ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብዛዕባ ኣሮን ኣነ ንሓጽር ግዜ ዝፈልጦ ክንድ’ዚ ክብል ዝኸኣልኩ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ትፈልጥዎ ክንዲ ምንታይ ክትገልጽዎ ከምእትኽእሉ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ምኽሪ ናይ ኣሮን፡ ዝነበሮ ራኢ ብፍላይ ድማ ሰቲት ዳግማይ ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ተወሊዳ ክትዓቢ ዝነበሮ ባህጊ ገዚፍ ኢዩ። ምዕባይ ናይ ሰቲት ኣብ ምህናጽ ኣባላታን፡ ክዓብዩ ክስራሕ ከምዘለዎምን ወትሩ ግዜ ይደጋግሞ፡ ነዚ ንምግባር ድማ ኩሉ ዘሎ ዕድላትን ቀረባትን ኣብ መዓላ ክውዕል ዝነበሮ ሓሳብ ክዝክር ከለኹ፡ ሰቲት ሜዲያ ኣባልን ፕርዚደንት ቦርድን ክትከስር ከላ፡ ኩላትና ኮኾብ ወጋሕታ ከምዝወደቐና ይርደኣኒ።
ኣነን መሳርሕተይ ኣብ ኣሰር ኣሮንን ራእይታቱን ክሳብ መወዳእታ ንርትዓውነት መራኸቢ ብዙሓንን ናጽነት ፕረሰን ኣብ ሃገርና ክንቃለስ ዓቢ ሕድሪ ኣሽኪሙና ሓሊፉ ምህላዉ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃስ ይገልጽ።

ንስድራቤትን ፈተውትን መሳርሕትን ጽንዓት ይሃብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles