ጉያ ቃልሲ ከይወዳእካ፥ እንታይ ሃዊኽካ ኣሮን ሓወይ?
ኣሮን ብርሃነ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ተመሃራይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እዩ ኔሩ። ብድሕሪ ናጽነት፥ ሓደ ካብ መስረቲ ጋዜጣ ሰቲት ኮይኑ፥ ስጋዕ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ተገዲደን ስርሕን ደው ዘብላን ጋዜጠኛታተን ዝእሰሩን፥ ከም ሓላፍን ከም ጋዜጠኛን ጋዜጣ ሰቲት ኮይኑ ብትብዓት ኣብ ኤርትራ ይዓይይ ኔሩ።
ኣብ 2001፥ ካብቲ ተሓሲብሉ ዝነበረ ናይ ምትሓዝን ምእሳርን ውዲት ኣምሊጡ፥ ሃገር ገዲፍ፥ መጀመሪያ ንሱዳን ፥ ካብኡ’ውን ንኬንያ ድሕሪ ምእታው፥ ብድሕሪኡ ናብዛ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ክቕመጠላ ዝጸንሕ ከተማ ቶሮንቶ ሃገረ ካናዳ ከም ናይ ፖለቲካ ስደተኛ ኮይኑ መጺኡ።
ኣሮን፥ ኣተሓሳስባን ንቅሓትን ህዝቡ ንምዕባይ፥ ዘይፖለቲካዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትህብ ጋዜጣ “መፍትሕ” ኣብ ካናዳ መስሪቱ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣስተምህሮ ጽሒፍን፥ ንጸሓፍቲ ሓሳቦም ክገልጹ ባይታ ፈጢሩ፥ ንህዝቡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ልዑል ኣበርክቶ ጌሩ። ኣሮን መስራቲ፥ ኣካያድን ጸሓፍን ጋዜጣ መፍትሕን ኣላይ መርበብ መፍትሕን (https://meftih.ca) ኮይኑ፥ ንልዕሊ 15 ዓመት ንህዝቡ ከገልግል ጸኒሑ።
ከምኡ’ውን ናይታ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2020፥ ብኤርትራውያ ጋዜጠኛታትን ተቃለስትን ኣብ ስደት ዝተመስረተት ሰቲት ሜድያ ፕሬዚደንት ቦርድ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ፥ ዜጋታት ንኸይዕመጹ፥ ፍትሒ ንኸይትዕበጥ፥ ውዲታት ዓማጺ ኢሳያስን ስርዓቱን ኣቃሊዑ ብመንግስቲ ካናዳ ከምዝፍለጥ ጌሩ። ከም ውጽኢቱ፥ ብናይ ስርዓት ኤርትራ ቆንስላዊት ቤት ጽሕፈት ኣብ ቶሮንቶ ኣስገዲዱ ዘኽፍሎ ዝነበረ ናይ 2% ክፍሊት ኣብ ካናዳ ደው ከምዝብል ካብ ዝገበሩ ሓደ ተባዕ ተቃላሳይ እዩ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይሕጋውያን ስርሓት ዘተባብዕ ዝነበረ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፥ ካብ መንግስቲ ካናዳ ናይ መጠንቐቕታ ጽሑፍ ክወሃቦን፥ ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ካብ ካናዳ ንኽስጎግ ኣበርቲዖም ካብ ዝሰርሑ ተባዓት ተቃለስቲ ኤርትራውያን ሓደን ቀንድን እዩ ኔሩ።
ቃልሲ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ካናዳ ጥራይ ከይተወሰነ፥ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ትካላት ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባታት እናተረኽበ፥ ስለቶም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ናይ ስራሕ ብጾቱን፥ ኣእውዩን ሞጊቱን። ስለቲ ድምጺ ኣልቦ ህዝቡ ድማ ንዓመታት ከይተሓለለ ድምጺ ህዝቡ ከቓልሕ ጸኒሑ እዩ። በቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዘይተሓለለ ቃልሲ ድማ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳን ካብ ዝተፈላላዩ ማሕበራትን ትካላትን ሽልማት ተቐቢሉ እዩ።
ኣሮን፥ ጋዜጠኛ፥ ተጣባቃይ መሰል፥ ተቃላሳይ፥ ኣማኻሪ ምስ ኢምግሬሽን ዝተተሓሓዘ ጉዳያት ኣብ ካናዳን መምህር ናይ ተመሃሮ ኣማኸርቲ ኢምግሬሽን ኣብ ካናዳ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።
ኣነ’ውን ምስ ኣሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቃልሲ ፕሮጀክትታት ብቐረባ ሰሪሔ እየ። ኣዝየ ዘኽብሮን ዘድንቆን ናይ ቃልሲ ብጻየይን ዝፈትዎ ሓወይን እዩ ኔሩ።
ኣሮን ከም ሰብ፥ ህዱእ፥ ለዋህ፥ ተሓጋጋዛይ፥ ቅኑዕ፥ ፍትሓውን ንዓመጽ ኣጥቢቑ ዝቓወምን፥ ክሳብ መጨረሽታ’ውን ዝምክትን፥ ኤርትራ ካብቶም ክህሉውዋ እትብህጎም ዘሕብኑ ዜጋታታ ሓደ እዩ ኔሩ።
ንናይ ቀረባ ስድራቤቱን ንዓና ንመቓልስቱን፥ ብሓፈሻ ድማ፥ ነቲ ሓርነት ክጎናጸፍ ኣሮን ዝቃለሰሉ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፥ ጽንዓት ይሃበና!
ብሰላም ዕረፍ! ኣዝየ ዘኽብረካን ዝፈትወካን ሓወይን መቃልስተይን ኣሮን ብርሃነ!
ዝጀመርካዮ ቃልሲ ኣብ መወዳእትኡ ከነብጽሕ ቃልሲ ክቕጽል እዩ!
ኣምላኽ ኣብ ኣጸደ ገነቱ ይቀበልካ!
ኤልሳ ጭሩም
3 ግንቦት 2021