back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ንኣሮን ኣይፈልጦን’የ

እዚ ኣርእስቲ ምናልባት ቅድሚ ሒጂ ጋዜጠኛ ወይኒ ሱሌማን ጽሒፋቶ ምስ ዝነበረት ክመሳሰልኩም ይኽእል’ዩ። ወረ እመሳሰል’ዩ፡ እንታይ’ከ ዘፍሊ ኣለዎ፡ ግዜ፡ ሰብን ኩነትን ጥራሕዩ እቲ ፍልልዩ። እወ ወይኒ ንጋዜጣታት ብሕቲ፡ ነቶም ኣበይ ኣለዉ፡ ኣበይ ኣትዮም ደሃዮም ሽታ ማይ ኮይኑና ዘሎ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣመልኪታ እያ ጽሒፋ ኔራ። እሞ እንታይ ይፍለ ኣሮን ካብኦም? መሰታ፡ መሳርሕቲ, መተሓስብትን መተዓይይትን እዞም ወይኒ ዝጸሓፈትሎም እንድኣሉ፡፡ እቲ ምምስሳል ብዙሕዩ፡ እቲ ፍልልልይ ንበዓል ዳዊት ኢሳቅ፡ ፍስሃየ ጀሽዋ ካልኦትን፡ ኣብ መስከረም 2001 ክንስእኖም ከለና፡ ንኣሮን ብርሃነ ግን ረኺብናዮ ኔርና ኣይሰነድናዮን፡ ኣይሓተትናዮን ኣየዕልለናዮን፡ ንሱ’ውን ኣብ ዘይተጸበናዮ ተሰዊሩና። ክንሓምቅ!

ካብ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዝኾነ ዝተረፈ ይመስለኒ ኣይነበረን፡ ኩሎም እቶም ኣብተን ብሕቲ ይጽሕፉን ይሰርሑን ዝነበሩ ዝተኣስሩ እመስለኒ ኔሩ። መኣስ ምዃኑ ዘይዝክሮ ግን ፔን ኤርትራ ዝተባህለ ማሕበር ምስ ተመስረተ ስም ኣሮን ኣብ ገለ ጽሑፋት ዝራእኹሉ ፈለማ ግዜ እዩ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዝመጸ ሓሳብ ተሎ፡ እንታይ ይብሉ ኔሮም ይኾኑ፡ ዝተኣስሩሉ ግዜ እንታይ ኣዕሊሎም ይኾኑ፡ ተስፍኦም፡ ሓሳቦም፡ ሻቁሎቶምን ፍርሖምን እንታይ ይመስል ኔሩ ይኸውን፡ ኣሮን ንዛንትኦም ሰኒድዎ’ዶ ይህሉ ብዙሕ ሕቶታት ኣብ ቅድመይ መጺኡኒ።

ገና 11 ዓመት ክመልእ ኣብ ዝተቃረብኩሉ ግዜ ደሃየን ዝተሰወረ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ እዝዩ ዝብሎ ብዛዕብአን ዝኽሪ የብለይን፡ ወላ’ውን ተላኢኸ ኣምጺኤየን ዝፈልጥ ኣይመስለንን። ኣብ ገዛና ኣብ ሞንጎ እኩባት ዶክመንትታት ዝነበረ ገለ ሕታማት ናይ ጋዜጣ ሰቲቲን ቀስተ ደበናን፡ ብዙሕ ዘይተገደስኩሉ ኣብዚ ስደት ኮይነ ሒጂ ዝዝክሮ እዩ። እታ ካብ መጠራ ገዛ ምስ ቀይርና መቀመጥ ወረቃቅቲ ዝገበርናያ ብጣውላ ዝተሰርሐት ሳንዱቅ ከኣ እባ ብጋዜጣ ሰቲት ውሽጣ ዝተለጠፈት እያ ዝነበረት።

ኣሮን ብርሃነ ንፈለማ ግዜ ብገጽ ዘይኮነ ብመገዲ ዙም ኣብ ሰቲት ሜድያ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ እየ ድምጹ ክሰምዕ ክኢለ፡ ፈለማ ዝነበረኒ ጦብላሕታ እንክዝክሮ ክሳብ ክንድዚ ምስ ረዚንን ዓብን ሰብን ምህላው ዓቢ ጸጋ’ዩ ኢለየ ሓሊፈዮ። ኣሮን ብርሃነ ኣብ ሰቲት ሜድያ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ቅድሚ ኣብ ሰቲት ምጽንባረይ ዝሰማዕክዎን ንኣሮን፡ ኣተሓሳስብኡ፡ ናይ ነዊሕ ሓሳቡ፡ ጥንቃቐታቱ ብዙሕ ክድነቐሉ ዝገበረኒ ነገራት ሒዘየ ኣብቲ ዝነበረ ኣኼባ ዝነበርኩ።
ሰቲት ሜድያ ኣብ ዘዳለዎ ንመሰረታዊ ኣብቲ ስራሕ ክሕግዘና ዝኽእል ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስልጠና፡ ሓደ ካብቶም ኣሰልጠንቲ ኣሮን ዘዳለዎ ኣዝዩ ቀሊልን፡ ብዝግባእ ክርድኣኒ ዝሓገዘን እዩ ኔሩ። ንኣሮን ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝሓተትክዎም ሕቶታት ድሒሩ ጽልዋ ዝፈጠረትለይ እያ ኔራ። ኣነ “ርእይቶታትና ኣብ ናይ ውልቃና ማሕበራዊ ሜድያ ምግላጽ ዘለዎ ጽልዋ ከመይ ትርእዮ፡ ነዚ ስራሕ’ከ ክጸልወና ይኽእል’ዶ” እትብልያ ኔራ፡ መልሲ ኣሮን ከምዚ ይብል ኔሩ፡ “ብርግጽ ጽልዋ ኣለዎ፡ ብዙሕ ርእይቶታትኩም ተዘይስፈርኩም እምረጽ፡ ምኽንያቱ ተኸታተልቲ ንስራሕኩም ብመንጽር ርእይቶታትኩም ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ዝያዳ ኣብቲ ስራሕ ኣተኩሩ፡ እቲ ስራሕ ዝያዳ ባዕሉ ርእይቶታይኩም ኮይኑ ክዛረብ ይኽእል’ዩ። ኣይትሓዋውስዎ ኢኹም።” እዛ መልሲ ዘይተዳግም ኮይና ኣብ ርእሰይ ኣተወት።

ኣሮን ብርሃነ ዝያዳ ኩሉ ኣተባብዕን ንእሽተይ ሰሪሕካ ኣዝዩ ዘድንቅን ዘተባብዕን ሰብ’ዩ ኔሩ። ብዙሕ ግዜ ዝደጋግሞ ዝነበረ “እዚ ወለዶ እዚ ተደናጊሩ ኣሎ፡ ዝተዛረበ ዝፈለጠ ይመስሎ፡ ንእሽቶ ዋዛ ዝሓወሰ ድማ ሊቅ ይመስሎ ኣሎ። ካብዚ ዓዘቅቲ እዚ ዘውጽእን ዘድሕንን ይደሊ ኣሎ፡ ነድሕኖ” ዝብል ብዙሕ ሻቁሎትን ዘይርግኣትን ብዛዕባ መንእሰያት ከምዝነበሮ ክርድኣካ ይኽእል።

ኣሮን ብዙሓት ፈለጥቱን መሳርሕቱን ከምዝብልዎ፡ መኻሪ፡ ከም ሓው ሓው፡ ከም ዓርኪ ዓርኪ፡ ከም ሰብ ድማ ህዱኡን ንስራሕ ዝያዳ ዘተኩርን ብዙሕ ግዜ ዕቱብነት ኣብ ስራሕ ዝፈቱን ምንባሩ ይዛረቡሉ።

ኣሮን ኣብ ሰቲት ሜድያ ወትሩ ግዜ ብዙሕ ኣብ ዓቀን ተኸታተልቲ ኣይተተኩሩ፡ ዝያዳ ኣብ ብቅዓት ስራሕ ኣተኩሩ፡ ስራሕኩም’ዩ ተኸታተልቲ ከምጽኣልኩም ዝኽእል። ብዝሒ ተተኸታተልቲ ስለዝኣከብካ ዘይኮነስ ብቑዕን ጠቃምን ስራሕ ሰሪሕካ’ዶ እዩ ዝያዳ ክትግደሱሉ ዘለኩም እናበለ እመክር ኔሩ።

ኣሮን ክንዲ ብዙሕ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ምንባሩ ሒጂ ዝያዳ ምስ ፈለጥክዎ በሪህለይ። ሒጂ ንኣሮን ኣይፈልጦን’የ ኣይብለኩምን’የ፡ ንኣሮን እፈልጦየ። ብዛዕባ ኣሮን ብዙሕ ፈሊጠ ኣለኹ። ንሱ እቲ ምሁር፡ ኣቦ፡ ሓው፡ ጋዜጠኛ፡ ሓሳቢ፡ ኣበጋሲ፡ ኣተባባዒ፡ መሃሪ፡ ሰናዲ ሓብሓብን ተቃላስን። እወ እቲ ንስለ ህዝቢ ብኸመይ ክቃለስ እኽእል ኢሉ ሓሲቡ ሰቲት ዝፈጠረ፡ ንሱ እቲ ፈጣሪ።

ኣሮን ኣብ ኣሰርካ!

ተኽሊት ከሰተ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles