ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ሮተርዳም ፡ ሆላንድ ዝካየድ ናይ ደርፊ ውድድር “ኤሮ ቪዥን 2021“፡ “ሰንሂት” ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥ ኣብ ዓዲ ጥሊያን ከተማ ቦሎኛ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ኤርትራዊት ሰንሂት ዛዲቅ ክትወዳደር ምዃና ተፈሊጡ።
ሰንሂት፡ ቅድሚ ናብዚ ዓቢ ውድድር ምጽንባራ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ፍሉጣትን ሙዚቀኛታት ተጸንቢራ ኣብ ዝተፈላለየ ክለባት ትነጥፍ ከምዝነበረት ዝረኽናዮ ሓበሬታ የብርህ።
ሰንሂት፡ ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወትሉ ብንእስነታ ኣብ ዝተፈላለየ ሙዚቃዊ ቲያትር ብምንጣፍ ከምዝጀምረት ትሕብር። ኣብ “ላዮን ኪንግ” ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ “ሄር” ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ከምኡ’ውን “ኢላ ግራንደ ካምፒዮነ” ኣብ ጣሊያን፡ ገለ ካብቶም ፍሩያት ሙዚቃዊ ቲያትር ዝተሳተፈትሎም ዓበይቲ ምርኢታትዮም።
ሰንሒት፡ ኣብ ሙዚቃዊ ስርሓታ፡ ኣፍሪቃዊ መበቆልን ምስ ኤሮውጳዊ ፖፕ ሙዚቃ ብ ምትሕንፋጽ ከምእተቅርቦ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2011 ዝተገብረ ናይ ደርፊ ውድድር “ኤሮ ቪዥን” ተሳቲፋ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ናይቲ ወድድር በጺሓ ከምዝነብረትን ሕጂ ድማ ዳግማይ ኣብ 2021 ተመሊሳ ክትወዳደር ምዃና ይፍለጥ።
ሰንሂት፡ ዋላ እኳ ኣብ 2011 ዝተገብረ ናይ ደርፊ ውድድር “ኤሮ ቪዥን” ኣብ ፍጻመ ደረጃ ወደድር ኣይትብጻሕ፡ ብድሕሪ እቲ ወደድር ግን ብርክት ዝበሉ ስርሓት ብምቅራብ፡ ዝናን ስምን ዘትረፍት ስነጥበባዊት ምዃን ይሕበር።