back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ህውሓትን ሻነን ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለ ኮይኖም ክምዝገቡ እማመ ቀሪቡ

ካቢኔ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሎሚ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኦኔግ ሼነን ኣብ መዝገብ ግብረሽበራውያ ጉጅለታት እታ ሃገር ንኽኣትዉ እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ብመሰረት ዓንቀጽ 18ን 19ን ፕሮክላሜሽን ቁ. 1176/2020 ምክልኻል ግብረሽበራዊ ገበናት፣ ህወሓትን ኦኔግ ሼነን ከም ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ስለዝነጥፉ፣ ዝገብርዎ ተግባራት ባህሪ ግብረሽበራ ዝሓዘ ብምዃኑን፡ ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ እታ ሃገር ክኣትዉ ክግበር ከምዘለዎ እቲ ዝቐረበ እማመ ኣፍሊጡ።

ብመንጽር ዓንቀጽ 23 ፖርክላሜሽን ቁ. 1176/2020 ምክልኻልን ምግታእን ግብረሽበራዊ ገበናት እታ ሃገር፣ እቲ ሎሚ ዝቐረበ እማመ እዞም ክልተ ትካላትን ምስ እዞም ትካላት ንዝተሓባበር ይኹን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ዘለዎም ወገናት እዚ እማመ ከምዝምልከት ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ድሕሪ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስትንን ህውሓትን ዝተወልዐ ጎንጺ፣ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ግብረሽበራዊ ትካል ንኽምዝግቦ ብዶክተር ኣቢ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስዪ  ከም ሓሳብ ኣቕሪብዎ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles