back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ክትሳተፍያ

ካብ 2 ክሳብ 9 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓሙሽተ ተቀዳደምቲ ኣቢላ ክትሳተፍ ሙዃና ካብ ኣካየድቲ እቲ ዙር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ሕዛእቶም ንዓወታት እቲ ዙር ቢሕቶሞ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ 2019 መርሃዊ ቁዱስ ተዓወቲ እቲ ዙር ክኾኑ ከለዉ ብጠቅላላ ኣብ ዝሓለፈ ዙራት ሩዋንዳ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ 3 ብጫ ማልያን 24 ናይ መድረኽ ዓወትን ከምዘመዝገቡ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመትዚ ብሓደሽቲ ተቀዳደምቲ ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፍኦም፡ ተወልደ መሓሪ፡ ቶማስ ጎይትኦም፡ ሴላ ወልደሚካኤልን ናሆም ዘርኣይን ብምኽታት ክትሳተፍ ሙዃና ተፈሊጡሎ።

ንዙራይ ኣፍሪቃ ብሒቶሞ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኸታ ብደረጃ ፕሮፈሽናላት ኣብዚ ሒጂ እዋን 9 ተቀዳደምቲ ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ምህላዎም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles