back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፉሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘስገኦ ሓቢሩ

ብዓርቢ 23 ሚያዝያ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ ዲፕሎማሰኛ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ምስ ፎረይን ኣፋየርስ (Foreign Affairs) እተባህለት መጽሄት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ዝተመሳቐሉ ጉዳያትን ሕልኽላኻትን ናይ’ቲ ዞባ ከምዘስግኦ ገሊጹ። እቲ ዲፕሎማሰኛ ብተወሳኺ እዚ ተመዚዘሉ ዘለኹ ጽፍሒ ንኢስትራተጂ ኣሜርካን መሓዙታ ኣብቲ ዞባን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭትን ብዓብዩ ሕቶ ምርግጋእ ናይታ ሃገር ምስ ምትእትታው ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ደሚርካ፡ ንዕማም ናይዚ ዲፕሎማሰኛ ኣጸጋሚ ከምዝገብሮን ንመፍትሕታት ድማ ከምዝሓላልኾን ብተወሳኺ መጽሄት ፎረይን ኣፋየርስ ኣብቲ ብሶኒ 26 ሚያዝያ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ጥቒሳቶ ትርከብ። ብተወሳኺ ተነቃፍን ዘይርጉጽን መስርሕ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ንክልቴአን ሃገራት ናብ ካልእ ግጭት ክሸመን ከምዝኽእል ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ሶማል ዘሎ ፖሎቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው ድማ ነቲ ዞባ ተነቃፊ ከምዝገብሮ ጠቂሱ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብሰንኪ ሓጽቢ ግድብ ኣባይ ተላዒሉ ዘሎ ወጥሪ፡ ነቲ ኣሜሪካ ብፍሉይ ልኡኻ ኣቢላ ከተሳልጦ ንእትድልዮ ዕማም ፈታኒ ከምዝገብሮ ተንተንቲ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ብሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ተባሂሉ ተመስሪቱ ዘሎ ሓዲሽ መዝነት፡ ኣብቲ ዞባ ንምቑጽጻሩ ዝጸግም ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ከይስዕብ መፍትሒ ንምንዳይ ከምዝኾነ ይሕበር። እዚ ነዚ ሓዲሽ ዕማም ንምስላጥ ተባሂሉ ተመዚዙ ዘሎ ዲፕሎማሰኛ ጀፍሪ ፈልትማን ገዚፍ ዲፕሎማስያዊ ተመክሮ ዘለዎን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ዝሰርሐን ምኻኑ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles