ማእከል ሞያ ኣፍሪቃ (Africa Skills Center) ዝተባህለ ትካል ሎሚ ዓመት ንብሉጽ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኣብ ዘዳልዎ ሽልማት፣ ኤርትራዊት ሜሪማግደላን ደበሳይ ሓንቲ ካብቶም ዕውታት ሽልማት ናይዚ ዓመት ኮይና።
ኤርትራዊት ሜሪማግደላን ተቐማጢት ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ኮይና፣ ሓንቲ ካብ መስረቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተመዝገበ ደስታ ቲቪ፣ ቀንዲ ኣዳላዊት ሜሪ ሾው ( ፈላሚት ቲቪ ሾው ኣብ ስደት)፣ ተዋሳኢት ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ኣብ ኤርትራውን ኣፍሪቃውን ሕበረተ-ሰብን ካልእ ዝተፈላለዩ ስረሓት እትነጥፍ ዜጋ|ያ።
ብመሰረት ማእከል ሞያ ኣፍሪቃ (Africa Skills Center) መንእሰይ ሜሪማግደላን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ሕበረተ-ሰብ ኤርትራን ኣፍሪቃውያንን ብዝተጻወተቶ ተራን ናይቲ ትካል መምዘኒ ስለዘማልአትን ነዚ ስልማት ከምዝበቕዐት ገሊጹ።
ማእከል ሞያ ኣፍሪቃ (Africa Skills Center) ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዝነጥፍ ኣፍሪቃዊ ናይ ዘይረብሓ ትካል ኮይኑ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 140 ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኣብ ሂወቶም ለውጢ ንምምጻእ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከም ዝሃበ ይሕብር።
ዕደላ ናይዚ ሽልማት ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ካብ 10-12 ሰነ 2021 ዝካየድ ኮይኑ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ነዚ ሽልማት ዝተዓደሉ ድማ ብኣካል ክሳተፉ ተስፋ ይግበር።