ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኲናት ጽዒቁሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ትማሊ 19 ሚያዝያ፡ ኣብ ሰንዓፈ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ውግኣት ብሆሊኮፕተር ክኣትዉ ከምዝወዓሉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የገልጽ። ካብ ትግራይ ተበጊሳ ናብ ሰንዓፈ ዝርከብ ሆስፒታል ውግኣት ከተመላልስ ዝወዓለት ሆሊኮፕተር፡ ብውሑዱ ሰለስተ ግዜ ከምዝተመላለሰት ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።
ድሕሪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት፡ ሆስፒታል ሰንዓፈ፡ ንውግኣት ክሕከሙሉ ተባሂሉ ካብ ህዝባዊ ኣጎልጉሎት ደው ኢሉ፡ ህዝቢ መሕከሚ ንምርካብ ናብ ዓዲቀይሕ ክኸይድ ኡኳ ተተሓበሮ፡ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ዕጽዋ፡ ዝኾነ መጓዓዝያ ብዘይምንባሩ ህዝቢ ክሕከም ከምዘይተኻእለ ይፍለጥ። ብፍላይ ሕዱር ሕማምን ተመላለስቲ ሕሙማትን መሰረታዊ ኣፋውስን፡ መርመራን ከይረኽቡ ኣዝዮም ከምዝተጸገሙ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትይጵያ ሰፋሕቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብዘን ዝሓለፈ ውሑዳት መዓልታት ከምዝተኻየደ ማዕኬናታ ዜና እታ ሃገር ጸብጽበን። ንመበል 6ይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ብንክያድ ኣብ ንሽብሻብ ዘላ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተደሚሩ ኣብዝተፈላለየ ከባብታት ‘ታ ሃገር ናይ ጸጥታ ጸገማት ከጋጥም ከምዘጸነሐ ይዝከር።