ዩሲኣይ (UCI) ብዕለት 05 ሚያዝያ ዘውጽኦ ደረጃ ሃገራት ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ኤርትራ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብሒታቶ ዘላ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ንደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን ኣኸቲላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 602 ነጥቢ ብምእካብ ነዚ ደረጃ ዓወት ክትበጽሖ ከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን፡ 291 ከምኡ’ውን 188 ብምእካብ ስዒበንኣ ይርከባ።
ኤርትራ ካብ 2016 ጀሚራ፡ ብዘይካ ኣብ 2018 ርዋንዳ ዝደየብቶ ገዲፍካ ነዚ 5 ዓመታት፡ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትቅጽል ምህላዋ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዩሲኣይ (UCI) ዘሎ ሓበሬታ ይጠቅስ። ብተወሳኺ ብደረጃ ዓለም፡ ቤልጁምን ስሎቪንያን ኣብ ቅድሚ ደረጃ ከምዝተሰርዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 9 ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታት፡ ድሙቅ ዓወታት የመዝግቡ ምህላዎም ይፍለጥ።