ድሕሪ ኣብ ኪንሻሳ ዝተጋብአ ክዕወት ዘይክኣለ ርክብ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ኒል፡ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳይት ሱዳን፡ ምሪያም ኣልማህዲ፡ ኣብ ኣብየ ዝርከቡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንክወጹን ብናይ ካልእ ሃገር ወተሃደራት ክትክኡን፡ ን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓተተት ሓቢራ።
እታ ምኒስተር ወሲኻ፡” ኢትዮጲያ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ምብራቃዊ ዶብ ሱዳን ወተሃደራዊ ዓቅማ እንዳ ወሰኸት ኣብ ትርከበሉ እዋን፡ ኣብ ስትራተጂካዊ ዝኾነ ውሽጢ መሬት ሱዳን ዝርከቡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጲያ ክህሉ ቅቡል እዩ ንክትብል ዘይሕሰብ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኢትዮጲያ ዘለና ኩሉ ዓየነት ስምምዓት ኣብ ዳግማይ ምጽናዕ ኢና ንርከብ ክትብል ሓቢራ። እዚ ግን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሰደተኛታት ኢትዮጵያውያንን ዘጸሉ ከምዘይኮነ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሕለፈ ዓመት፡ ዕድመ እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክሳብ ግንቦት 15 2021 ከምዘናውሖ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ ዝረኸቦ ጸብጻብ ን ሚያዝያ 26 2021 ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ እዚ ናይ ሱዳን ሓዲሽ ጠለብ ወሲኹ ብዛዕብኡ ክውስን ሙኻኑ ይፍለጥ።
ኣቢየ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ይግባኣኒ እዩ ኢለን ዝከረኸራሉ ዘለዋ ኣብ ዶብ ክልቴን ሃገራት ዝርከብ ኮይኑ፡ ብረፈርንደም ነበርቲ ክውሰን ከምዘለዎ ዘተረዳዳኣሉ እኳ እንተ ኾነ፡ ብ ሰንኪ ዘይምስምማዕ ኣብ መን እዩ ብቁዕ ን ከድምጽ ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ክሳብ ህጂ እቲ ጉዳይ ከይተፈትሐ ምህላዉ ይፍለጥ።