back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ንህጹጽ ስራሕ ካርቱም ኣትዩ

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳምሕ ሽኩሪ ህጹጽ ምብጻሕ ንምግባር ካርቱም ኣትዩ። እቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብጉዳይ እቲ ክዕወት ዘይካኣለ ኣብ ኪንሻሳ ዝተጋብአ ርክብ ሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ክዘራረብ ምኻኑ ተፈሊጡ ይርከብ።

ንጉዳይ ሓጽቢ ግድብ ሕዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ክንሻሳ ዝተኣኻኸቡ፡ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ሰለስቲኤን ሃገራት፡ ሱዳንን ግብጽን ዘቅረብኦ እማመታት፡ ኢትዮጵያ ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ይፍለጥ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሓጽቢ ግድብ ሕዳሴ፡ ዘለወን መርገጺ ብፍላይ ኣብዚ ሒጂ ሓደ ብምዃኑ፡ ንኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ኮይኑዋ ይርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ እዋን ኣትያትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፡ እዚ ብግብጽን ሱዳንን ዝመጽእ ዘሎ ጸቅጢ ክትብድሆ ቀሊል ዘይምዃኑ ብዙሓት ዝህብዎ ዘለው ርእይቶ እዩ። ብተወሳኺ ድሕሪ እዚ ዝፈሸለ ዝርርብ፡ ግብጺ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ ዝርርብ እቲ እንኮ ኣማራጺኣ ዘይምዃኑን ካልኦት ኣማራጺ ክትወስድ ከምእትኽእል ምሕባራ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles