back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክበጽሕ’ዩ

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፊላንድ፡ ፒኮ ሃቪስቶ፡ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ፡ ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ናይ ምብጻሕ ስራሕ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ፒኮ ሃቪስቶ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ክራኸብ ምዃኑን፡ ቀንዲ ዕላማ መገሽኡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንጉዳይ ትግራይ ኩነታት ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ጠለባት፡ እንደገና ንሰበ ሰልጣን ኢትዮጵያ ከቕርበሎም ምዃኑን ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምምሕያሻት ክድህስስን፡ 22 ሚያዚያ ድማ ጸብጻቡ ናብ ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ከቕርብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ጆሰፍ ባሮል፡ “ኩነተታ ትግራይን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ኸፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኲናት ኣሎ፡ ናይ ጸጥታ ሽግር ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ውሱን እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብሩ ዝኽእሉ ተዋሳእቲ ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ሽግር ብ ግቡእ ኣይሰርሑን ኣለዉ። መቅተልቲ፡ ጸታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ጾታ ዘተኮረ መጥቃዕቲ፡ ዝምታ፡ ዕንወትን ብኣስገዳድ ስደተኛታት ምምላስን ክሲ ምጽናት ዓሌትን’ውን ኣሎ” ክብል ምሕባሩ ይፍለጥ።
ብመሰረት ጸብጻብ ግዚያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብዝሒ ካብ መረበቶም ዘተፈናቐሉ ካብ 700,000 ናብ 900,000 ወሲኹ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት፡ ግቡእ ኣቶኩሮ ከምዝጎደሎ ብዙሓት ክወቅሱ ምጽንሖም ይሕበር። እንተኮነ፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ብ ጉጅለ 7 ዝፍለጣ ሃገራትን፡ “ንሕና ዘለናዮ፡ ኣድላዪ ዘተባሃለ ጻዊዒትን መግለጽን ተግይሩ እዩ ” ድሕሪ ምባል፡ “ሕጂ ብኸመይ ንቅድሚት ንስጉም ከምዘለና ኣረጋጊጽና ኢና” ክብሉ ምግላጾም ይሕበር።

ጆሰፍ ባሮል ብምቅጻል፡ “ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝረአ ብሄራዊ ግጭት ኣሎ። ክሳብ ህጂ ልዕሊ 68,000 ስደተኛታት ናብ ምብራቅ ሱዳን ሰጊሮም፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵን፡ ደውታ ዝርርብ ኣብ መንጎ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ናይል፡ እዚ ክሉ ተደሚሩ፡ ነቲ ተነቃፊ ዝኾነ ዞባ፡ናይ ሓደጋ ዕግርግርን ዘይምርጋእን የሰጋግሮ ኣሎ” ክብል ገሊጹ።

“ሓደ ሓደ ኣወንታዊ ስጉምታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተገሊጾም እዮም። እንተኾነ ግን ፡ምእንቲ እሙናት ክኾኑ፡ ብቁልጡፍ ኣብ ተግባር ክእተዉ ኣለዎም። ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማ መገሻ ፒኮ ሃቪስቶ ከኣ ገምጋም ንክገብር እዩ” ክብል ጠቂሱ። ኣብ ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ክነረጋግጾ ኣይከኣልናን ዘለና፡ እንተኾነ ግን ሰራዊት ኤርትራ ብዝቀልጠፈ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣለዎ” ክብል ወሲኹ ጠቂሱ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles