back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ብ ጉጅለ 7 ዝፍለጣ፡ ብ ቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ ን ኩነታት ትግራይ ዝምልከት ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺኤን

ካናዳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ እንግሊዝ፡ ጣልያን፡ ጃፓንን ጀርመንን ዝሓቁፍ፡ ብ ጉጅለ 7 ዝፍለጣ ሃገራት፡ ምስ ዝለዓለ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ብሙዃን ብ 3 ሚያዝያ፡ ሓበራዊ መግለጺ ብምውጻእ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን መጉዳእትን ከምዘተሓሳሰቦምን፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝግበር መቅተልቲ፡ ጸታዊ ዓመጽ፡ ጾታ ተኮር መጥቃዕት፡ ብዘይኣፈላላይ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ፡ ምፍንቓል ትግራዎትን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብትሪ ከም ዝወግዝዎ ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮ።።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት፡ ስቪሊያውያን ካብ ዝኮነ መግዳእቲ ዝበጽሖም ክከላኸሉሎም፡ ኣህጉራዊ ሕግታትን ሰብኣዊ መሰላትን ከኽበሩ ክጽውዕ ከሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብሁጹጽ ክወጽእን፡ መስርሕ ምውጻእ ብዘይ ቅድመ ኩነታት፡ ብክረጋገጸሉ ዝኽእል ክኸውን ጸዊዖም።

ብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ሰብኣዊ ቁልውላው ሻቁሎቶም ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles