ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ፡ ትማሊ 30 መጋቢት፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፡ “ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለዩላ ዕለት፡ ኣየኽብርዋንዮም። ኣይፈትዉዋን ‘ውን እዮም። ነዚ ድማ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ብግልጺ ይዛረቡሉዮም” ዝበሎ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ ካበይ ተበጊሱ ከምኡ ከምዝበለ ኡኳ ንጹር ተዘይኮነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ግን ብመገዲ ማዕህበራዊ ሜድያታት ቁጠዐኦም እገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ ካብ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ልሙድ ኡኳ እንተኾነ፡ ምስዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ቁጠዐን ሻቅሎትን ከምዝፈጠረሎም ይፍለጥ።