ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

መስመራት መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ክኽፈት’ዩ

ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፡ ሎሚ ዕለት 28 መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ስሩዕ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዳግማይ ንዕለት 29 መጋቢት 2021 ከምዝጅምር ሓቢሩ። 

ኣብቲ ምልክታ ከምዝሓበሮ፣ መሰመራት ውሽጢ ከተማን ከባቢ ዓድታትን ክጅምር ምዃኑን፣ ኩሉ ብምኒስትሪ ጥዕና ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬት ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዘየማለአ ተገልጋላይ ድማ ኣገልግሎት ከምዘይረክብን ኣብሪሁ። 

ከምዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንልዕሊ 9ተ ኣዋርሕ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ተጽዕኖ ፈጢሩ’ዩ።  

ተወሳኺ ብዕለት 22 መጋቢት 2021 ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ምኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ካብ ዕለት 1 ምያዝያ 2021 ጀሚሩ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ኣገልግለት ከምዝጅምር ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ