ሰንበት, ግንቦት 11, 2025

ኢብራሂም ዑመር ኣቦ ወንበር ናይ ሓደ ጉጅለ ፓርላማ ኒው ዚላንድ ኮይኑ ተረቊሑ

ኣባል ፓርላም ኒው ዚላንድ ዝኾነ ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር፡ ምስ ካልእ ኣባል ፓርላማ ናይ’ታ ሃገር  ኣቦ ወንበር ምሕዝነት ኒው ዚላንድ ምስ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ኮይኑ ከምዝተመረጸ፡ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡኩ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኢብራሂም ዑመር ኣብ ሓበሬትኡ፡ ምስ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዝኾነ ኣንድሪው ባይልይ ብምዃን ነቲ ጉጅለ ምሕዝነት ክመርሕዎ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ፓርላማ ኒው ዚላንድ እዚ ምሕዝነት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተባህሉ ዝጽዋዕ ኣካል ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ኣብ ኒው ዚላንድ ዝተገብረ ምርጫ ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ኢብራሂም ዑመር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ስደት ግዙፍ ዓወታት ዘመዝገቡ ኤርትራዊ እዩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,600SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ