back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰራዊት ወጺኦም ንዝጸንሑ ክኸቱ ጸዊዑ

ስርዓት ህግደፍ መንእሰያትን ብዝተፈለላየ ምኽንያት ካብ ወተሃደራዊ መሳርዕ ወጻኢ ንዘለውን ኣብ ዝሓጸረ ክኸቱን፡ ነዚ ጻውዒት ምስ ዘየኽብሩ ክግፈፉ ክምዝኾኑን ይሕብር ምህላዉ ካብ ኤርትራ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ የመለክት። እዚ ድሕሪ መራሒ እቲ ስርዓት ኣብ ቃለመሕትቱ ክተት ኢሉ ምጽዉዑ ከምዝኾነን፡ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይገልጽ።

እዚ ናይ ክተት ጻዊዒት ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ዝጸንሑን፡ ብሰንኪ ኮሮና ዕረፍቲ ናብ ኣሃዱኦም ክምለሱ ዘይክኣሉን ሓዊስካ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ወጺኦም ዝጸንሑ ከምዝኾኑን፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ የብርህ።

ድሕሪ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን፡ ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገርን ዝተወለዐ ወተሃደራዊ ጎንጺ፤ ስርዓት ህግደፍ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት የሳትፎም ከምዘሎ ክግለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጭፋ ከምዝተፈጸመ ገለ ገለ ወገናት ክኸሱ ከለው ክሳብ ሕጂ ግን ብናጻ ኣካል ክጻረ ኣይተኻእለን ኣሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles