ኣብ 1960’ታት ዘመነ ቃልሲ ውጹዓትን ዝተሃመሹን ወገናት ናይ ሕብረተ ሰብ ዝዓምበብሉ እዋን እዩ ነይሩ። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝንበብ ዝነበረ መጽሓፍቲ ማርክስ፣ ኣንጻር መግዛእቲ ዕጥቃዊ ቃልስታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንኽስስን መበገሲ ኮይኑ። ብኻልእ ሸነኽ’ውን ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘበገስዎ ሲቪላዊ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽን ዓሌታዊ ኣድልዎን ፣ ንብዙሓት ኣብ መዓሙቕ ድምጾም ተሓቢኡ ዝነበረ ግዳያት ንመሰላቶም ብዓውታ ክሓቱ ኣነቓቒሕዎም ኢዩ።
እተን ንዘመናት ብሰንኪ ጾታዊ ዘይምዕሩይነት፣ ዘይከም ኣበርክቶአን ኣብ ታሕተዋይ መሳልል ናይ ሕብረተ ሰብ ተሰሪዐን ዝነበራ ደቀንስትዮ’ውን መሰላተን ንምርግጋጽ ምንቅስቓስ ዝጀመራሉ እዋን ኢዩ። እዚ ብካልኣይ ማዕበል ፈመንዚም ዝፍለጥ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት፣ ነቲ ንዘመናት ከም ዘይንቕንቕ እምባ ተገቲሩ ዝነበረ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባታት ሃደሽደሽ ብምባል ከም ዝወድቕ ገይርዎ። ወጽዓን ዘይምዕሩነትን ኣብ ናይ ሓንሳብን ንሓዋሩን ወጊድ ዝተባህሉ መሲሎም ። ማዕረ ዕድላትን መሰላትን ብዘይ ናይ ዝኾነ ጾታ ኣፈላላይ ዝብል ናይ ዘመናት ሕልሚ ጋህዲ እንዳ ኾነ መጺአ። እተን ኣዳም ከይሰልችዎ ፈጣሪ ሰልችይዎ ከሎ ዝፈጠረን ዝተበሃላ፣ ደቀንስትዮ ድማ ተርአንን ኣበርክቶአን እንዳ ሓደረ ክደምቕ ጀሚሩ።
እቲ ሽዑ ዝተኸስተ ለውጢ ግን ንኹለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ደቀንስትዮ ዘጠቓልል ኣይነበረን። ከም ኩሎም ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝኽሰቱ ማሕበረ—ፖለቲካዊ ለውጥታት ብዘይ ሓርጎጽ ጎጽ ኣይነበረን። እቲ ንዘመናት ኮረሻ ተባዕታውንት ተወጢሑ ዘጋልብ ዝነበረ ማሕበራዊ ኣቃውማታት፣ ብሓድሽ ክትካእ ነይርዎ። እቲ ከም ደቂ ተባዕትዮ ዝነጥፉሉን ሕዛእቶም ጥራይ ዝነበረ ዓውድታት ብደቀንስትዮ ክጠሓስ ጀሚሩ። እዚ ድማ ንደቂተባዕትዮ ኣብ ሓድሽ ቅልውላው ክኣትው ቀሲብዎም።
እታ ካብ ኣኣፌት ቤታ ስድሪ ምስጓም ዘይፍቀዳ ዝነበረ ጓል ኣንስተይቲ ፣ ሰሪሓ ንገዝኣ እቲ ሰብኣይ ጥራይ ክጓስሶ መሰል ዝነበሮ ገበል ጓሲሳ ክትኣቱ ጀሚራ። ኣብ ትምህርቲ’ውን ማዕረን ልዕልን ወዲ ተባዕታይ ብቕዓት ካብ ኣንጸባረቐት፣ ከም ኢንድራ ጋንዲ፣ ጎልዳ መየርን ማርጋሬት ታቸርን ንሃገራተን መሪሐን ንቕደሚት ካብ መረሻ ፣ ሰብኣይ እንታይ ማለት ኢዩ ትርጉሙ፧ ወይ ድማ ሰብእነት በየናይ መገዲ ክልካዕ ይግብኦ፧ ዝብል ሕቶታት ኣብቲ እዋን ዓብለልቲ ኮኑ።
ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ደቂተኣስትዮ ነቲ ንሳቶም ባህሪ ዓዲልና ዝብልዎ ግን ምንቅስቃስ ፊመንዚም ዝመንጠሎም ናይ ልዕልናን ምግባትን መሰላት ንምምላስ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም። ናይ ሰብእነት ሕዛእትና ተሳዒሩ፣ ደረጃና ትሒቱ፣ ኣንስትና ምምእዛዝ ኣብየናና ብዝብል ናይ ቴማታት ዝተቐነተ ምንቅስቓስ ደቂተባዕትዮ፣ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ክልተ ጨንፈራት ኢዩ ተመቒሉ። ደቂኣንስትዮ ናብቲ ናይ ቀደም ቦትአን ክምለሳ ዝብል ዓጺቕን ዓቃባውን መርገጺ ዝኽተልን፣ ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ መሰላተን ምጉዕጻጹ ዘይምዕሩይን ዕድላትን ዝያዳ ዝተሃስዩ ደቂ ተባዕትዮ ኢዮም ዝብል ኢዩ።
ክሳብ ሎሚ እዞም ክልተ ኣተሓሳስባታት ኣብቲ ኣብ ናብ ምሉእ ኣግእዞ ደቀንስትዮ ዝካየድ ጉዕዞ ኣዝዮም ጸለውቲ ኢዮም። ኣብ ምምዕባል ዝረከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝርከባ ደቀንስትዮ ግዳይ ዝተፈላለየ ዜበታዊ ዓመጽን ኣድልዎን ኢየን። ኣብዘን ሃገራት ትርጉም ሰብኣይ ምዃን ንሰበይትኻ ክሳዕ ክንደይ ትመልካን፣ ንጓልካ ብኸመይ ናብ ትሕቲ ምልኪ ተእትዋን ኢዩ። ኣብዘን ሃገራት ዝቕመጣ ደቀንስትዮ ቃልሰን መሰረታውያን መሰላተን ብኸመይ የውሕሳ ኢዩ። ገለ ገለ ናይ ናይ ትምህርትን ዕድላትን ተኽእሎታት እኮ እንተሃለወን፣ ገና እቲ ናይ ኣግእዞ ጉዕዞ እግሪ ተኽሊ ኢዩ ዘሎ። ልዕል’ቲ ኣብ ደቀንስትዮ ዝግበር ወፍሪ ነቲ ግጉይ ንኣተሓሳስባ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ቅኑዕ መስመር ዝመልስ ወፍሪ ድማ የድልዮ።
ባህሊ ምስ ኩሉ መለለይታቱ ከም ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ክብርታቱን ንተባዕታውነት ድርዒ ዝኾንዎ ኢዮም። ስለዚ ንቕድሚት ምስጓም ዝሓልኽ ባህሊ ወጊድ እንተ ተባህለ ሕብረተ ሰብ ዝኸስቦ ምበር ዝኸስሮ የለን። ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ስለዝጸንሓካ ጥራይ ከም ሓኪም ዝኣዘዘልካ መድሃኒት ክትጎስሞ ርትዓዊ ኣይኮነን።
ብጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እንተርኢናዮ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝሰራዕናዮም ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ምዕራብ ይሓይሽ። እዞም ደቂ ተባዕትዮ ጓል ኣንስተይኒ ማዕረ ዕድላት ምስዘይትረክብ ሓያል ስድራቤት ከምዘይትህነጽ ኣጸቢቑ ይስወጦም ኢዩ። ሓያል ስድራ ቤት እንተዘየላ፣ ሓያል ሕብረተ ሰብ ኣይህንጸን ኢዪ። ድኹም ሕብረተ ሰብ ፣ሓያል ሃገር ክሃንጽ ኣይክእልን ኢዩ ። ስለዚ ሃገር እንተዘይሓይላ ድማ እቲ ወጽዓ ዘይሩ ዘይሩ ናብቲ በይኑ ንሓለፍነት ናይ ገዛ ዝሰከም ወዲ ተባዕታይ ኢዩ ዝምለስ።
ዋላ ውን ኣብቲ መሰላት ብምልኣት ተረጋጊጾም ኢዮም ዝበሃል ክፋል ናይ ዓለም እውን ደቀንስትዮ ግዳያት ዝተፈላለያ ኣድልዎታት ክኾና ይግደዳ ኣለዋ። መወዓዊታት፣ ናይ ፖርኖግራፊ ፍርያት፣ ክሊፓትን ፊልምታተን ንደቀንስትዮ ኪንዮ ጾታዊ ሰምዒት መርወዪ ካልእ ቁም ነገር ከምዘይርከበን ኣሻንጉሊታት ገይሩ ምቕራብ፣ ንምስሊ ደቀንስትዮ ኣብ ምድዋን ዓቢ ተራ ኣብ ምጽዋት ይርከብ።
ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክፋል ናይ ዓለም ፡ ልዑል ናይ ስራሕ ዕድላት ንደቂኣንስትዮ ድራረን ማእሪረን ክኣትዋ ኣብቂዕወን ኣሎ። ብኣንጻሩ’ውን ስራሕ ምዝመዛን ዘይምዕሩይነትን ዝንጸባረቐሉ መድረኽ ኮይኑ ይርከብ። ምስ መጠን ስራሕ ዘይመጣጠን ክፍሊት፣ ንኣበርክቶ ዘይዳረግ መሳልል ዕብየት ፣ ጾታዊ ኣድልዎ ገለ ካብቶም ፍሩያት ኣብነታት ስራሕ ዝፈጠሮም ጸገማት ኢዮም።
ምናልባት ዓለም ምስ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ሕቶ ኣግእዞ ከም ኣርእስቲ ክልዓል ውን ኣይግብኦን ነይሩ ይኽውን። እንተኾነ ግን ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ባህላውን ፣ ቁጠባውን ዓሚቕ ሰረት ዘለዎም ንደቀንስትዮ ዘድህኹ ባእታት ዝሰረተ፣ ሰረተ እምነታት ካብ ሱሮም ምሒኻ ኣብ ናይ ታሪኽ ሳንዱቕ ክተእትዎም ዝወስዶ ግዜን ዝሓቶ ጸጋታትን ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ ልዕል ኢሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም ዝርከባ ደቀንስትዮ ዝተፈላለየ ብድሆታት እኳ እንተሃለወን፣ ዝበዝሓ ግዳያት ናይ ተባዕታውንት ዝፈጠሮ ዘይምዕሩይ ጸጋታት ከም ናይ ስልጣን፣ ዕዳላት ስራሕን ክብርን ካብ ምዃን ኣየምለጣን።
ኣግእዞ ደቀንስትዮ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ፣ ከምኡ ውን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝኸይድ መስርሕ ክኸውን ይግባእ። ስድራቤት ከም እታ ናይ መጀመርያ ቤት ትምህርቲ መጠን ንኣግእዞ ደቀንስትዮ ኣብቶም ተፍርዮም ህጻናት ከተስርጾ እንተዘይክኢላ እቲ ቃልሲ ዕውት ክኸውን ኣይኮነን። በቲ ሓደ ሸነኹ ‘ውን ዝተፈላለዩ መዋቕራት ናይ ሕብረተ ሰብ ንኣግእዞ ብትውፊት እንተዘይሰሪሖም፣ እቲ ክብጻሕ ዝደለ ዕለማ ኪንዮ ሰናይ ድሌት ናብ ዘብሎ የብሉን።
No. Women, no cry!
Happy women’s day!
ሃኒ ኣሕመድ