ብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝተጸዐንን ብ ፈረንሳ፡ ኖርወይ፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኢስቶኒያን ዘተደገፈ፡ ዕጽው ኣኼባ ናይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ፡ ብዘይ ሓደ ስምምዕ ከምዝተዛዘመ ዘተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።
እዚ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 4 መጋቢት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቻይናን ሩስያን፡ ናይ ቁውፊ ምድማጽ መሰል ተጠቂመን፡ ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዘይኮነት ህንድን፡ ሓበራዊ ደምዳሚ መግለጺ ምውጻእ ከምዝተቃወምኦ ተፈሊጡ። ብተወሳኺ ኣብ ወሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢትዮጵያ ምእታው እዩ ብምባል ተቓውምአን ከምዘስማዓ ማዕከን ሓበሬታ ኤ.ፍ.ፒ ንዲፕሎማት ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ናይ ሕጂ ወሲኽካ፡ 4 ግዜ ዕጽው ኣኼባ ከምዘካየደን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይከኣለን ይፍለጥ።