back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

21 ኣመንቲ ካብ ቤት ማእስርቲ ዳህላክ ተፈቲሐን

ኣብ ዳህላክ ንልዕሊ 4 ዓመትን፡ ልዕሊኡን ተኣሲረን ዝጸንሓ ኣምንቲ፡ ኣብዚ ቅነ ከምዝተፈትሓ ካብ ኣወስትራልያ እትፍኖ ራድዮ ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ ንቃለመሕትት ሃኒባል ዳንኤል ብምውካስ ሓቢራ። እተን ኣመንቲ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተወሲደን ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲረን ዝጸንሓ ምኻነን ዝገለጸ እቲ መብርሂ፡ መብዛሕቲኤን ኣዴታት ምዃነን ሓቢሩ። ብተወሳኺ ሃኒባል ዳኒኤል፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብእምነቶም ዝተኣስሩ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ብእምነቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ፡ ናይ ዮህዋ መሰኻኽርን፡ ካልኦት ኣመንቲ ብብዝሒ ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እዞም እሱራት ክሳብ ልዕሊ 20 ዓመትን ልዕሊኡን ዝተኣስሩ ዝርከብዎም ምኻኖም ይፍለጥ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን መሰል እምነት ዘይክበረለን ሃገራት ምኻና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብእምነቶም ዝተኣስሩ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርትታት፡ ብዙሕ ግፍዕን መከራም ከምዝበጽሖምን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ከምዝመቱን ይፍለጥ።
ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓዊስካ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መሻይኽን፡ ፓስተራትን ኣቅሽትን፡ ሰዓብትን ኣመንትን፡ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles