back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣኼባ ከካይድ እዩ

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንሎሚ ረቡዕ 24 የካቲት፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (EMDHR) ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እታ ሓበሬታ ኣብ 2016 ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ወዲ ሰብ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ገሊጹ ምንባሩ ብምሕባር፡ ክሳብ’ዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰል ከምዘይተራእየ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ እቲ ምንቅስቃስ ፉሉይ ልኡኽ እቲ ቤት ምኽሪ መሓመድ ባቢኬር ኣብቲ ኣኼባ ዓመታዊ ጸብጻብ ከቅርብ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ልኡኽ ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ መጽናዕቲ ከይገብር ክቅበሎ ከምዘይከለ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ኣኼባ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (EMDHR),ካልኦት ዘይመንግስታውያን ውድባት ጸብጻበን ከቅርባ ምዃነን ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ የብርህ።

**እቲ ሎሚ ሳዓት 16፥30 (ኣቓጻጽራ  በርሊን)  ዝካየድ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ኣብ’ዚ  ታሕቲ ዝርከብ ሊንክ(link) ብምጥዋቅ ብ ቀጥታ ክትከታተልዎ ትክእሉ።

http://webtv.un.org/

Related Articles

1 COMMENT

  1. ጽቡቕ ምጅማር:: ሻራ ብዘይብሉ መንገዲ ዴሞክራስያዊ ለዉጢ ኣብ ኤርትራ ንኽመጽእ ሚድያዊ ቃልሲ ንክትሰርኹ ይላቦ::

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles